ኣሊስተር ዱተን፡ እቲ ዝዓበየ ውርሻ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ' ሓቅነቱን ፍቕሪ ንዝደኸዩ!’ ኣሊስተር ዱተን፡ እቲ ዝዓበየ ውርሻ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ' ሓቅነቱን ፍቕሪ ንዝደኸዩ!’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣሊስተር ዱተን፡ እቲ ዝዓበየ ውርሻ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ' ሓቅነቱን ፍቕሪ ንዝደኸዩ!’

ናይቲ ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዋና ጸሓፊ ኣሊስተር ዱተን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ,ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ተዋዛይነቶምን ማሕበራውን ከባቢያውን ፍትሒ ክረጋገጽ ዝገበርዎ ጽኑዕ ጎስጓስ ይዝክር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ኣሊስተር ዱተን፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ “ዘደንቕ ተዋዛይነቶምን ንማሕበራውን ምህዳራውን ፍትሒ ዘይሕለል ጻዕሮም ብቐዳምነቶ ዘኪሩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስኦም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ "ንህጹጽነት መልእኽቲ ወንጌል ብሓቂ ዘስተውዕልን ጭቡጥን እምነት" ከም ዝነበሮም ብቐረባ ከስተውዕል ገይሩኒ እዩ፣ እዚ ባህሪ እዚ እውን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ መትከል ኮይኑ ዝቕጽል ማዃኑ የረጋግጽ።

ናይ ሓቅነት ውርሻ

ዳተን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ዘረከብዎ ውርሻ፣ "ንድኻታት ዝኾነት ድኻ ቤተ-ክርስትያን ኢያ" ዝብል ብፍልዩ ብምዝካር፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 12 ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም፣ ኣብ ድኻታትን ኣብ እተገለሉን ዘተኮረ ምንባሩ ገሊጹ፣ ንካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ከኣ "ናይ ድኻታት ቤተ - ክርስትያን ለውሃት" እንክብሉ ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍሉይ "ነቶም ዝሳቐዩን ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉን ሓልዮትን ፍቕርን" ዝነበሮም እዮም፣ እዚ ግን ዘይጭበጥ ጕዳይ ኣይነበረን። ንማሕበራውን ኣከባብያውን ምህዳራውን ፍትሒ ተጣባቒ እዮም ዝነበሩ። ቅዱስነቶም ዝሓደጉልና ዝዓበየ ውርሻ "ሓቅነቶምን ንድኻታትን ዝተገለለኡን ዝነበሮም ዓሚቝ ሓልዮትን ፍቕርን እዩ” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዛዚሙ።

24 Apr 2025, 16:04