ናይ ደቡብ ሱዳን ካርዲናል ኣመዩ: ' ጠበቓናን ኣቦናን ስኢንና! ናይ ደቡብ ሱዳን ካርዲናል ኣመዩ: ' ጠበቓናን ኣቦናን ስኢንና!  (Vatican Media)

ናይ ደቡብ ሱዳን ካርዲናል ኣመዩ: ' ጠበቓናን ኣቦናን ስኢንና!

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኣመዩ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዖን ሓዘን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ኣብታ እትሳቐ ዘላ ሃገሮም ሰላምን ዘተን ክረጋገጽ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን እንኮ ድምጺ ምንባሮም የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓንቲ ምስ በሰላ ውግእን ምስ ስቓይ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባትን እትቃለስ ዘላ ሃገር ብዛዕባ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዚገልጽ ሓበሬታ፣ እቲ ምንቲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም እንኮ ድምጺ ዝነበሩ ስኢንና እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጁባ ካርዲናል ስተፈን ኣመዩ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ “ነቲ ብቐጻሊ ንዓለም ብዛዕባ እቲ ዝተረሰዐ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ውግእ ዝዛረብን እንኮ ስሌና ዝጣበቕን ኣቦ ስኢና . . . ንዓና ዓቢ ክሳራ እዩ - ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ጠበቓኡ ስኢኑ” እንክብሉ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ይገልጹ።

ነፈስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ምስ ዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን ከይተረፈ ንደቡብ ሱዳን ዘርኣይዎ ነቕ ዘይብል ተወፋይነት ኣመስጊኖም፣ “ኣብ መሳኹት መራኸቢ ብዙሓንን ዓለም ክንኣትው ገይሮም እዮም . . . ሳላ እቲ ነቕ ዘይብል ተወፋይነቶም ዓለም ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ክሰምዕ ገይሮም እዮም!”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዋላ እኳ ድኻም እንተነበሮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2023 ዓ.ም.  ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ስቓይ ንኽውገድን ምስቲ ናይታ ሃገር ህዝቢ ክራኸቡን ኣብ ሞንጎ ህብዚ እታ ሃገር ሰላም ክረጋገጽ ኣብ ዝምህለል ኤቁመናዊ ጸሎት ክሓብሩ ኣብቲ እዋን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ወልቢ ምስ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድን መጋቤ ፐተርሶን ብሓባር ንግደት ኣካይዶም እዮም።

“ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክንቅበሎም ምስ ከድና፣ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ውዕዉዕን ንደቡብ ሱዳን ህዝቢ ሕይወት ዝዘርእን መንፈስ እዩ ዝተሰመዓና . . . ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ካብ ተራ ትእምርቲ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ንኣሽሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ንዝተመዛበሉን ንዝተገለሉን ተስፋ ኣብጺሖም፣ ኣብተን መዓልታት እቲ ካብ ደቡብ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ መላእ ጎረባብቲ ሃገራት - ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ዛምብያ - ምስኡ ኮይኖም ምስታ ሃገር ዘለዎም ምትሕግጋዝ ክገልጹ ዝመጹ ጳጳሳትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ተራኺቦም እዮም”

ምስ ተመዛበልቲ ምርኻብ

ኣብ ጁባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሓርነት ምስ ተመዛበልቲ ዘካየድዎ ርክብ - ንዓይ ይብሉ ካርዲናል ኣመዩ - ነባሪ ጦብላሕታ ዝሓደገ ተመክሮ እዩ . . .  ምስቶም ካብ 2013 ዓ.ም. እትሒዞም ዝተመዛበሉን ብኲናትን ምዕልቕላቕ ማይን ዝነበሮም ኩሉ ዝሰኣኑን ተመዛበልቲ ብቐጥታ ተዘራሪቦምን ምስክርነቶም ሰሚዖምን - ኣጸናኒዖምን እዮም” እንክብሉ ይዝክሩ። ደቡብ ሱዳን ብግርጭት ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ኩነታት ኣካባቢ ኣየር ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት እውን ትሳቐ ምህላዋ ኣስሚሮም፣ ኣብ ሃገርና ዝተፈላለየ ዓይነት መዓት ኣሎ፣ "ገሊኡ ተፈጥሮኣዊ - ኣብ ሰሜን ንዝርከባ ዓድታት ዝጸረገ ውሕጅ፣ ገሊኡ ድማ ከምቲ ዕለት 15 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ዝጀመረ ኲናት፣ “ንህዝቢ ብቐጻሊ ዘመዛብል ዘሎ እዩ።”

ጠበቓ ናይ ዝተረሰዐ ህዝቢ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳት ነዚ መከራ ብቐጻሊ ኣፍልጦ ዝህቡ መራሕቲ ዓለም ምዃኖም ካርዲናል ኣመዩ ኣስተብሂሎም፣ "ኣብዛ ብዙሕ ኲናት ኣብ ዘለዋ ዓለም፣ ዝርሳዕ ኩናት እውን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ዝተረስዑን ዘይንገሮሎምን ኲናት ድማ እቲ ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ እዩ፣ ንሶም ነቲ ዝተረሰዐ ኲናት ድምጺ እዮም ነይሮም። ስለዚ ኢና ድማ፡ ሓደ ዓቢይ ጠበቓና ስኢንና ንብል . . . ኣብ መደምደምታ “እግዚኣብሔር ንዓኦም ስለ ዝሃበና ነመስግን፣ “እቲ ዘርኣየናን ምሳና ደው ዝብልን፡ ዓለም ክትርስዓና ዘየፍቅድን ኣቦ ስለ ዝሰኣንና ንሓዝን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

24 Apr 2025, 16:10