2025.04.30 ኣብ ውድብ ሕ.ሃ. ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ከም ኣሕዋት ይኩቡና! 2025.04.30 ኣብ ውድብ ሕ.ሃ. ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ከም ኣሕዋት ይኩቡና! 

ኣብ ውድብ ሕ.ሃ. ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ከም ኣሕዋት ይኩቡና!

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቃላቶምን ተግባራቶምን ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 29 ሚያዝያ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህንጻ ንዝክሪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ዝኽሪ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ወትሩ “ኣብዛ ብኩናት ዝተዓብለለት ዓለም ናይ ሰላም ድምጺ” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዝኽሪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳስት ጋብሪየለ ካቻ፣ ዕለት 21 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝዓረፉ ምስ ተነግረ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኩለን ኣባይቲ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰንደቕ ዕላማ ከም ምልክት ክብርን ቅርበትን ትሕቲ ቢሉ ከም እትሰቕለን ገሊጾም፣ ኣብቲ ዅለን ሃገራት ዝውከላሉ ህንጻ ኣብ ኣዝተኻየደ መደብ ዓውደ ዝኽሪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተረኽቡ ኩሎም ሓዘኖም ከም ዝገለጹን፣ እዚ እውን ነቶም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ኣኽብሮትን ቅርበትን ዝገለጽን ፍራንቸስኮ ንኹሉ ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕበረተሰብ ዝነበሮም ፍሉይ ሓልዮት ዝምስክር ምንባር ሓቢሮም።

ኣቦ ኵሉ

ብርግጽ ይብሉ ኣስዒቦም ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ እቶም ዝዓረፉ ሓደ ናይ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ኣካልን ናይ ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ሰብ፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳጳሳትን እውን እንተኾኑ፣ ብገለ መልክዑ ግን ንኹሎም ናይ ኩለን እምነትን ቋንቋን ባህል ኣባላት ኣቦ ተባሂሎም ዝግለጹን ዝስምዑን ብምዃኖም ብሓቂ ናይ መላእ ዓለም ሓዘን እዩ . . . ብሓፈሻኡ ነቲ Fratelli tutti - ኣሃው ኩልነ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘንበሮ ሓሳብ ዝምስክር እዩ፣ "ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቓላትን ተግባራትን ዕምቆትን ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓብይ ሓባራዊ ምስትውዓል ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም፣ “እዚ ድማ ዘገርም እዩ . . .  ልክዕ ከምቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ዝረኣናዮ - ኩሉ ዓለም ኣብኡ ከም ዝነበረን ዓለም እውን ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓቝፋ ከም ዝነበረትን . . . ካብ ላዕሊ ሰማይ እውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሓቝፋ ከም ዝነበረት ዘረጋግጽ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 May 2025, 17:20