ካርዲናል ቤቹ ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ኣይክሳተፉን እዮም ካርዲናል ቤቹ ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ኣይክሳተፉን እዮም  (ANSA)

ካርዲናል ቤቹ ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ኣይክሳተፉን እዮም

ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ ቤቺ ኣብቲ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅምር ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት፣ ንፍቓድ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእዙዝ ብምዃን ከም ዘይሳተፉ ዕለት 29 ሚይዝያ ብወግዒ ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢጣልያዊ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ ቤቹ ሰሉስ ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብቲ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ክጅምር ተሓሲቡ ዘሎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም እንክብል ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ንፍርዲ ዘብቀዖም ፈጺሞምዎ ዝበሃል ገበን ኣይፈጸምኩን ናጻ እውን እየ ቢሎም፣ ይኹን እምበር ንፍቓድ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምእዙዝ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ኣመልኪቱ።

“ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገበሮ ብተኣማንነትን ፍቕርን ብቐጻሊ ዘገልግላን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰናይ ዳልየታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝመርጽ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ሓድነትን ህድኣትን ክህልዎ ኣበርክቶ ክገብር - ንንጽሕናይ ኣሚነ - ንድሌት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእዙዝ ክኸውን ወሲነ ኣለኹ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

30 Apr 2025, 17:27