መሥዋዕተ ቅዳሴ ታስዕቲ ሓዘን - 'ምሕረት ኣብ ልቢ እምነት ትመርሓና' ካርዲናል ፓሮሊን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ነበር ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ዳግማይ ትንሣኤን መንለኮታዊ ምሕረትን፣ ኢዮቤል ካቶሊካውያን ኣባጽሕን ከምኡ ውን ካልኣይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መሪሖም፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጽሕትን ከኣ፣ እቲ ንሕና ክርስቲያን እነወፍዎ ግብሪ ምሕረት ንሓድሕድናን ከምኡ እን ምስ ክርስቶስን ኣብ ዘሎና ርክብ ሕብረት ከም ዚህልወና ዚገብር ወርቃዊ ፈትሊ ከም ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም ይዝክር።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይቲ ምእንቲ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ ዝካየድ ዘሎ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ብምዝካር ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንክርስትያን ምእመናን፣ ናብቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለምን ኣብ ልብናን ሰላም ንምስፋን ዝገበሮ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ክጥምቱ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

እዞም ወዲ 70 ዓመት ኢጣልያዊ ካርዲናል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ንሓዋርያት ድሕሪ ሞት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ተኣኪቦም ከለዉ ዝጋጠሞም ፍርህን ጓህን ብምስትንታን ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቃል ወንጌል መንፈስ ኣስተምሃሩ።

ክርስትያን ምእመናን ነቶም ኣብ ሰኑይ በዓለ ትንሳኤ ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዘዕረፉ ትማሊ ቀዳም እተቐብሩን ነፍስ-ኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዝካር ኣብ ዝሓዝኑሉ ዘለዉ፣ እዚ ወንጌላዊ ምሳሌ እዚ ንኣስተንትኖ ቤተ-ክርስትያን ከም ዜመልክት ውን ገለጹ።

"እቲ ብሰንኪ ሞቶም ዝስምዓና ሓዘንን ጓህን፣ ኣብ ልባትና ዝስምዓና ዘሎ ታሕዋኽን ጽልግልግል ከምኡውን ጥርጣሬታትን ከምቶም ብሞት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓዘኑ ሓዋርያት፣ ነዚ ዅሉ ንምኰሮ ኣሎና" በሉ።

ይኹን እምበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝበልዎ፣ ክርስቶስ ኣብዚ ጸልማት እዚ ንርእሱ ብኽብሪ ትንሳኤኡ ንምግላጽን ንልብና ንምብራህን ኢዩ መጺኡ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብታ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተመርጸላ ዕለት ኣትሒዞም፣ ብዛዕባ እዚ ኩነትና ኣዘኻኺሮምና ኢዮም፣ ነቲ ናይ ወንጌል ሓጐስ ድማ ከም ናይ ዘመነ ጵጵስናኦም ማእከል ብምግባር ኢዮም ዝተጓዕዙ" ውን በሉ።

ብዙሓት መንእሰያት ድማ ኣብቲ ንካልኣይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ነበሩ፣ እዚ ድማ በቲ ሎሚ ዝዝከር ዘሎ ኢዮቤል ተስፋ ካቶሊካውያን ኣባጽሕ ፍሉይ መደብ ዓመት ኢዮቤል እዩ ዝነበረ።

ብፁእ ካርዲናል ፓሮሊን ንመንእሰያትን ኣባጽሕን ሓዘን እኳ እንተ ተሰምኦም፣ በዓል ትንሳኤ ንዝህቦም ሓጐስ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎ ተማሕጸንዎም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ "ብህይወት ንኽንነብር ትብዓት" ከም ዝህበና ድማ ኣዘኻኸርዎም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ብምዝካር ድማ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዓብዪ ኣትኵሮ ዝገበረ ከም ምንባሩ ውን ገለጹ፣ እዚ ምሕረት እዚ ደረት ዘይብሉን ንኸተንስኣናን ንኸሐድሰንናን ድማ ዝዓዪ ኢዩ ክብሉ ኣስተንተኑ።

"እቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝግለጽ ዘሎ ንቅዱስ ኣቦና ዘሎና ፍቕርን ግዚያዊ ስምዒት ጥራይ ክኸውን የብሉን። ነቲ ዘውረሱና ክቡር ውርሻ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን፣ ክፍሊ ህይወትና ኽንገብሮን፣ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ክንውከልን ንሓድሕድና ድማ ክንርሕርሕን ኣሎና" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም ምሕረት "ናብ ልቢ እምነት ኢዩ ዝመልሰና" በሉ፣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ዘሎና መንነትን ከኣ ከም ኣተሓሳስባ ዓለም ዘይኰነስ ብመሰረት ምድብ ኣምላኽ ንኽንትርጕሞ ይሕግዘና።

"ብስራት ወንጌል ብቐዳምነት በቲ ንነፍሲ ወከፍና ድንጋጽን ለውሃትን ዘለዎ ኣምላኽ ከም እተፈቐርና ምፍላር ኢዩ" በሉ። ብዘይካዚ ህይወትና ብምሕረት ከም እተኣልመት ውን የዘኻኽረና ኢዩ፣ ድሕሪ ውድቀት ተንሲእና ናብ መጻኢ ኽንጥምት እንኽእል፣ ብዘይ ገደብ ዜፍቅረናን ይቕረ ዝብለልናን እንተ ኣልዩና ጥራይ ኢና።"

ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዀይኖም ዘገልገሉ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምሕረት ጥራይ ከም ዝፍውሰናን ሓዳስ ዓለም ከም እንሓንጽ ዝገብረን ማለት ጽልእን ዓመጻን ከም ዜጥፍእን ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሎን ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እቲ ዝተንስአ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ንቤተ-ክርስትያኑን ነቶም ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ክቕበሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ደቅሰባትን፣ መሳርሕቲ ምሕረት ክዀኑ ተማሕጺንዎም ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ለውሃት ዝመልአን ብምሕረት ዝሓወየትን ቤተ-ክርስትያን ዘብርህ ምስክር ኮይኖም ሓሊፎም ኢዮም።"

ወሲኾም ድማ እቲ ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓድሕድና እንተ ዘይተደጋገፍናን ሕድሕዳዊ ይቕርተ ምብህሃል እተዘይተለማመድና ሰላም ክርከብ ኸም ዘይክእል ብጽኑዕ ዝኣምኑ ኢዮም ዝነበሩ ክብሉ ውን መስከሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ኩርያ ሮማና ሃገረ ቫቲካንን ዘገልግሉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ምልስ ብምባል ድማ፣ ስለቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ከይደኸሙ ዝገበርዎን ዘካይድዎን ዘለዉ ኣገልግሎታት ኣመስገንዎም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ ብምባል ስብከቶም ደምደሙ - "ነታ ኣብኣ ፍሉይ መንፈሳውነት ዝነብሮም ካብ ምዃኑም እተላዕለ፣ ኣብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክቕበሩ ዝመረጽዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ናብኣ ንወፈ። "ንሳ ተዕቍበና ትጣበቐልና ንቤተ-ክርስትያን ድማ ትሕልዋ ከምኡውን ንጕዕዞ ደቅሰብ ብሰላምን ብሓድነትን ትድግፈና።"

27 Apr 2025, 17:47