4ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማቴዎ ብሩኒ ዕለት 25 ሚያዝያ ንጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ራብዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት መብርሂ ሂቡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ራብዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 149 ካርዲናላት ከም እተሳተፉን እቲ ዓውደ ኣኼባ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 9፡10 ጸቓይቕ ብናይ ጸሎት ህሞት ተበጊሱ ክሳብ ሰዓት 12፡20 ቀጺሉን 33 ምትእትታዋት ምክያዱ ብሩኒ ኣፍሊጡ፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ ሓላፊ ጳጳሳዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሊቀ ጳጳሳት ድየጎ ራቨሊ ንካርዲናላት ብዛዕባ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መግለጺ ከም ዝሃቡን ብፍላይ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሮም ናይ ጓሳ እምበር ናይ ልኡላን ኣይኮነን ቢሎም ብዛዕባ ናይ ስነ ስርዓት ቀብሮምን ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድላይ ብምኽባር ድማ ቅሪቶም ናብቲ ዝዓርፈሉ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዝግበር ናይ ምፍናው ስነ ስርዓትን ኣቀባብራን መግለጺ ከም ዝሃቡ ብሩኒ ሓቢሩ፣ ጉባኤ ካርዲናላት ሰንበት ዕለት 27 ሚያዝያ ሰዓት 16፡00 ናብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኻድ ብቕዱስ ኣፍደገ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ክሓልፉን ኣብ መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በጺሖም ጸሎት ምስ ፈጸሙ ኣብቲ ባዚሊካ ውሽጢ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ መርያም ጠበቓ ሮማውያን ዝተነበረሉ ቅዱስ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት፣ ጸሎተ ዘሰርክ ክፍጽሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።