ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመረጹሉ ኮክላቭ እተሰምየ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 7 ግንቦት ክጅምር ኢዩ

መበል 267 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ዝካየድ ኮንክላቭ እተሰምየ ፍልይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ድሕሪ ፍጻሜ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስዒቡ ብዕለት 7 ግንቦት ብዕሊ ክጅምር ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከቡ ዘለዉ ካብ ኩሉ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ብፁዓን ካርዲናላት ነቲ ንሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ዘካይድዎ ኮንክላቭ ዝተሰምየ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ብዕለት 7 ግንቦት 2025 ብዕሊ ክጅምርዎ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራጽ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘካየድዎ 5ይ ጉባኤ ነዚ ውሳኔ እዚ ኣመሓላለፉ።

እዚ ኮንክላቭ ዝተሰምየ ፍሉይ ጉባኤ እዚ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቤትጸሎት ሲስቲን ዝተሰምየ ከም ዝካየድን፣ ክሳብ እዚ ፍሉይ ጉባኤ ዝዛዘም ንበጻሕቲ ዕጽዉ ከም ዝኸውንን ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

28 Apr 2025, 16:44