2025.04.26 ስርዓተ ቀብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2025.04.26 ስርዓተ ቀብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto) ርእሰ ዓንቀጽ

ኩሉ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሕውነታዊ ሕቑፊ

ዓለም ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመወዳእታ ክቡር ምፍናው ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፣ መላእ ህዝቢ ዓለም ኣብ ብዙሕነቱን ፍልልያቱን በቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓሸት ዓለም ንምምጻእ ኣብ ዝነበሮም ሕልሚ ይሓብሩ፣ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃ ጉዳይ ዝሓይል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ (Paolo Ruffini) ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩሉ!  ኩሉ ሰብ! ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ማእለያ ብዘይብሉ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ብዝመጹ ሰባት ኣዕለቕሊቑን ኣብቲ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወስድ ጎደና ደላ ኮንቺሊያዚዮነ እተሰምየን ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከቡ ጎደናታት፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ናብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ዝወስድ መገዲ እውን ከይተረፈ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቡ ንኸፋነዎም ተረኺቡ እዩ።

ብዙሓት ኣረጋውያንን ቆልዑን፣ ዋላ’ውን ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ዝዕድሚኦም ዕሸላት ምስ ወለዶም ተረኺቦም እዮም። ካብ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ እምነት ቃል ኑዛዜ ተቐቢሎም፣ ኣብ እምነትን ተስፋን ክጸንዑ ክሓልሙ ብሰላም ክነብሩን ዝከኣል ምዃኑ ብምምልካት፣ ደረጃ ብደረጃ ዝሓሸት ዓለም ክሃንጹ ክጽዕሩ እዮም። ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምኽንያት ናብ ሮማ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘብጽሖም ተስፋ ሞት ከም ዝሰግር ብዓይኖም ርእዮም እዮም።

ማእለያ ዘይብሎም ካህናትን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ዓለማውያን ምመናንን ኩሎም ንሓድሕዶም ብእምነት ንኽጸናንዑ ተረኺቦም እዮም፣ ናይ ዓለም ሓያላት፣ ሃብታማት፣ ድኻታት እውን፣ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ናይ ካልኦት ሃይማንታት ሰዓብትን . . . ንነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመወዳእታ ግዜ ንኽፋነውዎም ተረኺቦም እዮም። ኩሎም ንቃል ጴጥሮስ ክሰምዑ ከም ዝደልዩ ዝምስክር ህሞት ምንባሩን፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎምን ፍትሒ ዚገብሩን ብእግዚኣብሔር ተቐባልነት ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ከም ዝኾነ ሩፊኒ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ብምዝኽካር፣ እዚ እውን ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሓላለፈ ቃል፣ እግዚኣብሔር ጎይታ ኩሉ እዩ ዝብል ሓቂ ዝምስክር ምዃኑ የስተብህሉ።

ስርዓተ ቀብር ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሰርዑ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰላም፣ ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት ምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ብዙሕ ግዜ እንኽሕዶ ሕውነት፣ በይኑ ዝድሕን ሰብ ከምዘየለ ምርዳእ ከምዘድሊ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል እትርከብ ቤት ሕክምና፣ ክፉት ማዕጾ ዘለዎ ገዛ ምዃና ዝገልጽ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃላት ከም ዘስመሩሉ ሩፉኒ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተፈጸመ ስርዓተ ቀብር ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተረኽበ ንኹሉ ደረጃ ክፍህሊ ሕብረተሰብ ዝውክል ከም ዝነበረን፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19 ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ፍራንቸስኮ ንበይኖም ኣግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ክጽልዩ እንከለዉ ብኣካል ዘይተረኽበ ዝመስል ዝነበረ ህዝቢ ኣብኡ ብዝተፈለየ እዋናዊ መጋበርያታት ኣቢሉ ዝተረኽበ እዩ።

እቲ ንዅሉ ሰብኣውነት ዝጥርንፍ ምስጢር ሕብረት፣ ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ሓደ እንኮ ሕቝፊ ዝተጠርነፈ እውን ምዃኑ ብሚስጢራዊ መንገዲ ተጋሂዱ እዩ። ንሕና እንፍጽሞ ጸሎተ ፍትሓት፣ ሓዘን ናብ ሓሴትን ሞት ናብ ህይወትን ድሕሪ ሞት ዘሎ ትንሳኤን ዝመስክር እዩ እንክብሉ ሩፊኒ ኣስተብሂሎም። እዚ’ውን ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ዝተነብሮ ሳጹን ንኽብሮም ኣብ ዘቕርቦ ዝነበረ ጣቕዒት ዝተነጸረ ናይ እምንት ሓቂ እዩ፣ እዚ ድማ የራኽበና ዝብል ምፍናው እምበር ደሓን ኩን ዝብል ስንብታ ኣይነበረን፣ እዚ እውን ንኹላትና ብዘይኣፈላለየ መገዲ ዝምልከተና ሓቂ ምዃኑ ገሊጾም ሩፊኒ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Paolo Ruffini)   

28 Apr 2025, 15:54