ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ንመኽፈቲ መዓልቲ ኢዮቤል ኣካለ ስንኩላን ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኢዮቤልይ ንስንኩላን መኽፈቱ ዕለት 28 ሚያዝያ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣካለ ስንኩላን ነጋድያን ተስፋ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘሳተፈ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋእተ ቅዳሴ፣ ሕድሪ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ስቕ ከይንብል ዝድርኽ ትብዓት ክህበና ንጸልይ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ፣ ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ተራዳኢ ህየንተ፣ ካብ ዕለት 28 – 29 ሚያዝያ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንኣካለ ስንኩላን ኣብ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤልይ ምኽንያት፣ ዕለት 28 ሚያዝያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፣ ስብከቶም ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝወፈይ መዓልቲ ኢዮቤል ዘጠቓልል ከም ዝኾነን እቲ ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ንኣካለ ስንኩላን ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ንኹሉ ዝሓቁፍን ተበጻሕን ሊጡርጊያ

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ውሽጢ ትውፊት ምህዞታት ብምፍጣር ንኹሉ መዝሙርን ጸሎትን ብኣህጉራዊ ቋንቋን ምልክትን ዝገልጽ ንትውፊት እሙን ዝኾነ ንኹሉ ዝሓቁፍን ብኹሉ ተበጻሕን ዝኾነ ሊጡርጊያ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ብነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተዘርአ ዘርኢ ምሕረትን ሓቛፍነትን ዝብል ዘረከቡና ሕድሪ "ኣብ ቤተ - ክርስትያን ክቕጽል ንጸሊ ቢሎም፣ ነቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዘሎ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ንሓደ ልሙስ ሰብ ብዘይ "ወርቂ ወይ ብሩር" ግን ብስም ኢየሱስ ጥራይ ከም ዝፈወሱ ዘዘንትው ታሪክ ጠቒሶም፣ እዚ ተኣምር እዚ ነቲ ሰብኣይ ሰብኣዊ ክብሩ ዳግማይ ክረክብ ዝገበረ፣ ገዛእ ርእሱ ክኣሊ ዘኽእሎ ኮታ እቲ ካብ ማሕበረሰብ ዝንጽሎ ዝነበረ መኸላእታ ኩሉ ኣወጊዱ ሓይሉ ክረክብ ዝገበሮ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ዝተጸገወ ተኣምር እዚ ቀዳማይ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ሓለፋታት ክሓትት ዝድርኽ ዘይኮነስ፣ "ስቕ ከይብል" ምሕረት ኣምላኽ ክምስክር ትብዓት ክህልዎ ዝጽውዕ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Apr 2025, 16:30