ካርዲናላት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ቁጠባዊ ኩነታት ቅድስቲ መንበር ዘትዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማትዮ ብሩኒ ዕለት 30 ሚያዝያ ንጋዜጠይናታት 124 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ዝርከብዎም 180 ካርዲናላት ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊት ጉባኤ ካርዲናላት ከም እተሳተፉን ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ ኣኼባ እቶም ካርዲናላት ብዛዕባ ቝጠባውን ገንዘባውን ኵነታት ቅዱስ መንበር ከም እተመያየጡ ሓቢርኡ፣ ካርዲናላት ራይንሃርት ማርክስ፣ ኬቨን ፋረል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ፈርናንዶ ቨርገዝ ከምኡውን ኮንራድ ክራየቭስኪ ኣብ ቁጠባውን ገንዘባውን ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ኣማእኪሎም መብርሂ ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ጀርመናዊ ካርዲናል ማርክስ ብዓይኒ ዘላቕነት ሓያሎ ብድሆታትን ጉዳያትን እማመታትን ብዛዕባ ቁጠባዊ መሓውራት ብመንጽር ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ መብርሂ ከም ዝሃቡን፣ ካርዲናል ሾንቦርን ከም ኣቦ መንበር ተቖጻጻሪ ሽማግለ IOR - ትካል ዕዮ ሃይማኖት፣ ብፁዕ ካርዲናል ቨርገዝ ልሂቕ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ነቲ ብነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኣንፈተ ሕዳሴ መሰረት ገይሮም መደረ ከም ዘስምዑን ካርዲናል ክራጀውስኪ ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ እውን መብርሂ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጽ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ሻብዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 14 ካርዲናላት ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ዘማእከለ ርእይቶ ከም ዝሃቡን፣ ንኣብነት ስነ ዓቕለሲያ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጥረ ምትፍናንን ኣብ ሕብረተሰብ ብዝተፈጥረ ምፍልላይን ዝመጽእ ቁስሊ፤ ውልትውናን ብሲኖዳውነትን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባእያውነትን ንምብዳህን መገዲ ምዃኑን፣ ንጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ህይወትን ዝምልከት ሓሳብ እውን ጎሊሑ ከም እተራእየን ኣመላኺቱ፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ Lumen gentium - ብርሃነ ኣህዛብ፣ Gaudium et spes - ፍስሓን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብብዙሕ ዝተወከሰ ምንባሩ ኣመላኺቱ፣ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ብፍላይ ኣብ መንጎ እቲ ዝንበርን ዝእወጅን ወንጌል ዘሎ ቅኑዕነት (ስምረት) ኣተኲሮም ከም እተመያየጡን ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

01 May 2025, 17:35