ኣረሜናዊ ግጭት ሱዳን ካልኣይ ዓመቱ የቑጽር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ብዝተፈጸመ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ህጻናትን ጉጅለ ሕክምናን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ዝጀመረ ኩናት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዘሎ ናይ ስልጣን ሕቶ መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነን፣ እቲ ኲናት ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ፡ ጃምላዊ ምዝንባል፣ ሞት ኣሽሓት፣ ከምኡ’ውን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡን ሚልዮናት ንስእነት መግቢ ከም ዘቃለዐ ይንገር።
ንምሽምጋል ዝግበር ጻዕርታት
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 11 ሚያዝያ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ምስ መሻርኽቱ ሚሊሻታት ብምዃን ኣብ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ መዓስከራት ንኽልተ መዓልታት ቀጻሊ ብዝፈጸሞ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ንሞት ከም ዘቃለዐ ሓደ በዓል ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንከመላኽት፣ ካብቶም ግዳያት 20 ህጻናትን ትሽዓተ ሰራሕተይናታት ረድኤትን ከም ዝኾኑን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ መዓስከራት ዛምዛምን ኣቡ ሾሩክን ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከራት እትርከብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ኤል - ፋሸር ዒላማ ዝገበረ ምንባሩን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ሱዳን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት ኣስታት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ ብርቱዕ ጥምየት የጋጥሞ ኣሎ። ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ከም እተመዛበሉን፣ 3.4 ሚልዮን ሰባት ድማ ዶብ ሰገር ስደተይናታት ንኽኾኑ ከም እተገዱን፣ እቲ ግጭት ኣገልግሎት ጥዕና ክፈርስን፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ክኾኑን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጸ እውን ይገብር ምህላዉ ምንጭታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ሱዳን ሓላፊት ክለመንቲን ንክዌታ - ሳላሚ፣ "ኣብ ሱዳን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሓደገይና እዩ፣ ሓደገይና ምዃኑ እውን ደጋጊምና ዝበልናዮ እዩ፣ ንዝተጸገሙ ሰባት ብኹለ መዳያዊ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዝከኣል ምኾነ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ሰፊሕ ብምዃኑ ብሓቂ ነገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ መሰናኽል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ "እቲ ዘለና ጸጋታት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብቶም ዘድልዮም ሰባት ንምብጽሕ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣሎና” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ምንጭታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።