ክብሪ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ ዝኽሮም በረኸት ይኹን ክብሪ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ ዝኽሮም በረኸት ይኹን 

ክብሪ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ ዝኽሮም በረኸት ይኹን

ኣስታት 400 ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምሃራንን ሊቃውንትን ብምኽንያት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ናብ ካቶሊካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቡራኬ ክኸውን ዘለዎም ምንዮት ከም ዝገለጺ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ካቶሊካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን

ኣብ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንስኮ ህዝብና ኣብ ዘሳቐዩሉ እዋን ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣይሁድ፣ ቤተ - ክርስትያንን ሃይማኖት ኣይሁድን ነዊሕ ሓባራዊ መገዲ ብሓባር ኸም እተጓዕዙ ኣዘኻኺሮም እዮም።

ሎሚ ነዚ ናይ ክልተ ሽሕ ዓመት ጉዕዞ ብሓንሳብ ኣብ እንቕጽለሉ ዘሎና እዋን፡ ብሰንኪ ዕረፍቲ እቶም እትፈትዎም ጓሳኹም፣ ዓሚቕ ቅርበትን ዝስምዓና ልባዊ ሓዘንን ንገልጽ።

ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ፣ ዝኽሮም በረኸት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምዚ ክበሃል እንከሎን ጓሂኹም ምግላጽ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ቃል ኪዳን ምእታው እዩ። እዚ ኸኣ ተዘክሮኻ ንጡፍ ምግባርን ናብ ተግባር ምቕያርን ነቲ እቲ ካብዚ ዓለም ብሞት እተፈልየ ኣብ ዓለም ዝዘረኦ፣ ህይወት ምሃብ ማለት እዩ ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ሓጐስ ብኸናፍር ጥራይ ዘይኰነስ ብኢድ ዚድገም እውን ክኸውን።

መዝሙረ ዳዊት፣ ፍጥረት ንኣምላኽ ብዘይ ቃል ክብሪ ዝህብ ምዃኑ ይምህረና፡

"ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግር፣ . . . ቃላት ወይ ዘረባ የብሎምን ድምጾም እውን ኣይስማዕን እዩ። ድምጾም ናብ ኵሉ ምድሪ ቃላቶም ድማ ክሳብ ኵላ ዓለም በጽሐ።

እዚ እውን ሕድሪ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እዩ ነይሩ፣ ንሱ እውን ነተን ኣዕዋፍ ከይተረፋ ንፈጣሪ ክውድሳ ይዕድመን ከምዝነበረን። “ዅሉ ንጎይታ የመስግን”  እዚ ድማ ንኣምላኽ ብቓላት ዘይኮነስ ብህይወትካ ንምውዳስ ዝቐረበ ዕድመ እዩ ነይሩ። ከም ምፍጣርካ ውዳሴን ክብርን ንኣምላኽ ምዃን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ በቲ ንድኽነት ክነብራ ዝመረጸ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተደሪኾም ኩሉ ግዜ ካብ ንዘረባን ቃላትን ንተግባር ክብሪ ይህቡ ከም ዝነበሩ ድማ እቶም ራባያትን ምሁራትን ኣይሁዳውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ኣሃው ኵልነ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ካም ኣብነት ብምጥቓስ መስኪሮም፣
“ፍራንቸስኮ ናይ ቃላት ውግእ ኣየካየዱን . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ዘስፈሑ . . . በቲ ንኣምላኽ ብዘልዎም ፍቕሪ ዝድረኹ ብምዃኖም ድማ ኣቦ ኩሉ ኮይኖም ይረኣዩን ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ድማ የተባብዑን”

ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝስምዓና ሓዘን፣ ነታ ዝዛረባ ሕውነታዊት ሕብረተሰብ፣ ደረጃ ብደረጃ፣ ብኢድ ኣብ ምህናጽ ናብ ጭቡጥ ተግባራት ንቐይር።

ዝኽሮም በረኸት ይኹን!

እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Apr 2025, 17:36