ድለ

ካርዲናል ሆለሪኽ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣቦን ህያው ኣብነትን እዮም ነይሮም ካርዲናል ሆለሪኽ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣቦን ህያው ኣብነትን እዮም ነይሮም  (ANSA)

ካርዲናል ሆለሪኽ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣቦን ህያው ኣብነትን እዮም ነይሮም

ካርዲናል ዣን - ክላውደ ሆለሪኽ ንነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡውን ብፍላይ ምስ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብእተተሓሓዘ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሐድግዎ ውርሻ ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ዣን - ክላውደ ሆለሪኽ ኣብ ሉክሰምበርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ ዘይፍቀደሉ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ዜና ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ በጸሖም ዝተሰምዖም ሓዘን ምስ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንብዓት እናተቖጻጸሮም፥ “ንዓይ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቦ ከም ምስኣን እዩ” እንክብሉ ይገልጹ።

ነቶም ንድኻታትን ዝተገለሉን ወትሩ ግዜኦም ዝምድቡ ዝነበሩ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ "ከም ክርስቶስ ንዅሎም ክፉት፣ ናይ ኣቦ ምሕረት ዝምስከሩን . . . ብሓቂ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከሩን፣ ኣብ ዘመንና፣ ንፍጥረት ኣዳም ከመይ ጌርና ወንጌል ክንምስክር ከም እንኽእል ብቓልን ብተግባርን ዘርኣዩና እዮም”።

ብጹዕነቶም ብዛዕባ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነባሪ ውርሻ ምስ ተሓተቱ፣ “ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ንረብሓ ተነቀፍቲ፣ ስነ ምህርዳር - ተፈጥሮን ምዝባዕ ኣካባቢያዊ ኣየርን ንምብዳህ ዘቕረብዎዎ ህጹጽ ምሕጽንታን ንድኻታትን ንሲኖዳውነትን ደኺመ ዘይብል ተወፋይነቶም” ብቐዳምነት ጠቒሶም፣ ብፍላይ ነቲ ዘተኣታተውዎን ዘተባብዕዎን ሲኖዳውነት ብፍሉይ ይዝክሩ። ምኽንያቱ ኣነ ከም ኣፈ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስን ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ግረችን ነቲ ሲኖዶስ ኣብ እዋን ምድላው ኮነ ደሓር ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እውን ካብ ቅዱስነቶም ብዙሕ ምትብባዕ ንረክብ ነይርና” ኢሎም።

ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ምስ ኣተዉ እውን ንጒዕዞ ሲኖዳውነት እሙንን ቅድም ክብል እውን ነቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወቶ ሲኖዳውነት ጭቡጥ ክኸውን ዝመርሕ ሰነድ ከቲሞም ለጊሶምልና እዮም። “ንዓይ እዚ ከም ኪዳንም ውርሻ እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን፣ ብሕይወት ክትመልእ፣ ንክርስቶስ ተኣማኒት ክይና ኣብዚ ብናህሪ እናተለወጠ ዝኸይድ ዘሎ ዘመንና ከኣ ቤተ ክርስቲያን ልእኽቲ ወንጌል ኮይና ናብ ኩሉ ክትበጽሕ ዘተባብዕ ምሕጽንታ ሓዲጎምልና እዮም” እንክብሉ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ዛዚሞም።

24 Apr 2025, 16:08