ድለ

ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓገዝ ኣሜሪካን ምጉዳል ስልዕቲ ፌደራልን ዘሕደረላ ስክፍታ ትገልጽ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓገዝ ኣሜሪካን ምጉዳል ስልዕቲ ፌደራልን ዘሕደረላ ስክፍታ ትገልጽ 

ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓገዝ ኣሜሪካን ምጉዳል ስልዕቲ ፌደራልን ዘሕደረላ ስክፍታ ትገልጽ

ትካላት ካሪታስ - ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ፣ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID) መነባብሮኦም ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምርኮዝ ሰባት ዝገብርዎ ናይ ረድኤት ዕዮ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ክሕብራ እንከልዋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ዝዝተየሉ ዘሎ ርኡይ ምጉዳል ማሕበራዊ ወጻኢታት ፌደራል፣ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ኣባይቲ ስድራ ዝጎድእ ምዃኑ ቤተክርስትያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዋ ስክፍታ ትገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምቁራጽ ናይ ወጻኢ ሓገዛት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣገልግሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብርቱዕ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፣ እዚ ድማ ከም ካሪታስ - ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝኣመሰላ ትካላት ግብረ ሰናይ ብብርቱዕ ዝጸልው ምዃኑ ይንገር።

ጽልዋ ምድስካል ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID)

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ልዕሊ 90% ዕዮ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID) ንምንካይ ዝወሰዶ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ረድኤት ውዕላት 60 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ርኡይ ናይ ምወላ ባዶነት ፈጢሩ ከም ዘሎን፣ እዚ ስጉምቲ ምስ ከም ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR)ን መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለምን ዝኣመሰሉ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ኮይኑ፣ ክልቲኦም እቶም ዓለም ሓቆፍ ትካላት፣ መግብን ሰብኣዊ ረድኤትን ንምቕራብ ኣብ ምወላ ኣመሪካ ብብዝሒ ዝምርኮዙ ምንባሮም እዩ ዝፍለጥ።

ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ሊባኖስ

ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ትቃለስ ዘላን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሃገራ ምስ እስራኤል ብዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ከቢድ ኩነታት እትርከብ ሊባኖስ ሓንቲ ምዃና ክንገር እንከሎ፣ እቲ ናይ ምወላ ክሳራ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘሕደረን፣ ካሪታስ - ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ግብረ ሰናይ ከም ትምህርቲ፣ ሕጋዊ ምኽሪ፣ ክንክን ጥዕናን ስነ - ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ብፍላይ ንሶርያውያን ስደተይናታትን ድኻታት ሊባኖሳውያንን ናይ ምሃብ ዓቕሙ ክጎድል ይገብር ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ፣ ድሮ 10 ሚእታዊት ናይቲ ምስ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ካሪታስ ጨንፈር ሊባኖስ ከም ዝቐነሰን፣ እዚ ምዝንባዕ እዚ ንሓገዝ ዝድርት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንስእነት ስራሕ እውን ዘቃልዕን፣ ነቲ ድሮ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዘሎ ቁጠባ ሊባኖስ ዝያዳ ይጸልዎ ምህላዉ ይሕብር።

1.5 ሚልዮን ብወግዒ ዝተመዝገቡ ሶርያውያን ስደተይናታት (ምናልባት’ውን ካልኦት ብዙሓት ዘይተመዝገቡ) ብምህላዎም፣ ዝፈጥሮ ሕብረተሰባውን ቁጠባውን ጸቕጢ ክትጻወሮ ዘይከኣል ከም ዝኾነን፣ ዋሽንግተን ዕለት 10 ሚያዝያ ብውድብ መግቢ ዓለም ዝወሃብ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ መሳለጢ ዝውዕል ንገለ ካብቲ ዝተሰረዘ ናይ ወጻኢ ሓገዝ መደባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምምላስ ዝወሰደቶ ውሳነ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ ዜና ቫቲካን ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመርካ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ዮርዳኖስ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ጨንፈር ካሪታስ - ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት እውን ኣዝዩ በቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ልዕሊ 90% ናይ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID) ንምንካይ ዝወሰዶ ውሳነ ብብርቱዕ ከም እተሃሰየ ዋና ኣካያዲ ስራስሕ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ዮርዳኖስ ዋዔል ሱለይማን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ሓበሬታ (OSV News) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበረን፣ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንጨንፈር ካሪታስ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ብ70% ከምዝተቐነሰ ገሊጹ፣ ዋላ እኳ እቲ ኩነታት ከቢድ እንተኾነ፣ ተስፋ ዘህልው ምኽንያት ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፣ ዝኾነ ሰብ ማዕጾ ክዓጽው ይኽእል። ኣምላኽ ግን ካልእ ኣማኢት ማዕጾ ምኽፋት ዝከኣሎ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተክርስትያን ሕ.መ. ኣመሪካ ብዛዕባ ምጉዳል ስልዕቲ ማሕበራዊ ወጻኢታት ዘለዋ ስክፍታ ትገልጽ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወጻኢታት ፌደራል ዝግበር ዘሎ ጽኑዕ ምጉዳል ስልዒት እውን ንብዙሓት ዜጋታት ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ክጸልዎም ከም ዝኽዕነን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝባዊ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓቢ ናይ ስልዒት ምትኽኻል ዝብል ናይ ሕጊ ንድፊ የስጉም ከም ዘሎን እዚ ናይ ሕጊ ንድፊ እዚ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ምስ ማሕበራውን ክንክን ጥዕናን ዝተኣሳሰር 880 ቢልዮን ዶላር ምጉዳል ዝብል ሓሳብ ዘቕርብ ኮይኑ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ሃገራዊ ሽማግለ ፍትሕን ሰብኣዊ ምዕባለን ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቦሪስ ጉድዥያክን ናይ ካቶሊካዊ ጉዳያት ክንክን ጥዕና ኣቦ መንበርን፣ ትካል ግብረ ሰናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ኣቦ መንበርን ዕለት 15 ሚያዝያ  ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ስጕምትታት ዘለዎም ሻቕሎት ገለጾም፣ ሓገግቲ ሕጊ ድማ ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ዘድሊ ሓገዝ ከውሕሱ፣ ተወሳኺ ጾር ዝፈጥረሎም ከይከውን ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ እቲ መግለጺ ካብ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ንጽጉማት ኣብ ምብጻሕ ዘለዋ ቀጥታዊ ተመክሮን መሰረት ብምግባር ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ድሌታት ደቂ ሰባት ንምምላእ ኣገደስቲ ዝኾኑ ከም ሕክምናን መግብን ንናይ ህጻናት ጉዳይ ዝድግድፍ መደብ ልቓሕን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መደባት ድሕነት - መርበብ ምዕቃብን ምሕያልን ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣመላኺቱ፣ “ብዓቢኡ ንሃመኽሰብ ሃብታማት ዘኻዕበት ምጉዳል ግብሪ ብኣንጻሩ ነቲ ንዝተጽገሙ ዝድግፉ መደባት ዋጋ ዘኽፍል ክኸውን የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲን ኣፍሊጡ።

17 Apr 2025, 16:22