ድለ

ሊቀ ጳጳስ ኩርትዝ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወጅሂ ምሕረት ኣምላኽ ርእያ ሊቀ ጳጳስ ኩርትዝ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወጅሂ ምሕረት ኣምላኽ ርእያ 

ሊቀ ጳጳስ ኩርትዝ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወጅሂ ምሕረት ኣምላኽ ርእያ

ኣብ 2015 ዓ.ም. ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዘሰነይዎም ልሂቅ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ጆሴፍ ኩርትዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ምሕረት ከም እተረከቡ” የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብ2015 ዓ.ም. ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣብቲ እዋን ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ዝነበሩ ኣብቲ ምብጻሕ ዘሰነይዎም ሊቀ ጳጳሳት ጆሴፍ ኩርትዝ፣ “ኣብቲ እዋን ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ውጅሂ ምሕረት እግዚኣብሔር ከም ዝረኣየ አረጋግጽ” . . . እዞም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሉዊስቪል ከንቱኪ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነትስ ብምልእታ ዓለም ብዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ትሓዝን ኣላ" ኢሎም።

'ሃረርታ ንመልእኽቲ ምሕረት ኣምላኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ዝኽሪ መበል 10ይ ዓመት ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን፣ "ኣእምሮይን ልበይን ናይቲ እዋን ተዘክሮ ዝመልአ ኢዩ" ኢሎም።

"ቤተክርስትያንን ህዝብናን ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ወጅሂ ምሕረት ኣምላኽ እዮም ዘለለዩ፡ "ኣዚዩ ጽብቕ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኮይኑ ይስምዓኒ ጥራይ ዘይኮነስ እምነት እውን ኣሎኒ፣ ምኽንያቱ "መጉዳእትን መዓትን ኣብ ዝመልኦ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና፣ ስለዚ መልእኽቲ ምሕረት ክንሰምዕ ሃረር ኢና እንብል፣ እግዚኣብሔር ድማ ብኣኦም ኣቢሉ ነዚ ሃረርታ እዚ መልሲ ከም ዝሃበ እኣምን - ቢሎም - ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሃሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ዓብይን ዓሚቝን ጉስነታዊ መልእኽቲ" እንክብሉ ብምንኣድ፣ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን እውን ናይ ቅዱስነቶም መሰረት ኵላዊ ጉስነቶም ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፣ "እዚ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዚ ብሓቂ ካብ ልቦምን ካብ ቀዳምነታቶምን ዝመንጨወ እዩ . . . ኢሎም።

ሕ.መ. ኣ. ነቲ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሃብዎ መረጋገጺ ብሓጎስ ትቕበል  

ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝገበርዎ ዑደትን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘደንቕ መደረኦም፣ ኣብ መዛግብቲ ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ብብዙሕ መዳይ ዝያዳ ዝዝከር ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ "ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓርነትን ንናጽነት ብግቡእ ምጥቃምን ንሰባት ብኣኽብሮት ምሓዝን” ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉን፣ ብፍላይ ብዛዕባ ኣቦታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተባሂሎም ዝጽውዒዑ ካብ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ክሳብ ቶማስ መርተን ክሳብ ዶሮቲ ደይ ተዛሪቦም እዮም፣ መደረኦም ኣዝዩ ውልቃውን ስብእናውን ገይሮም እዮም ዘቕረብዎ።”

ኣብ ጽቡቕ ተዘክሮታት ምጽናዕ

ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፊላደልፍያ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘይርሳዕ እዩ . . . ኣብኡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ምርኻቦም ኣብ ህይወተይ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ጉዳይ እዩ፣ ሓደ ካብቲ ኣብ እዋን ሰሙነ ሕማማት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናብ ቤት ማሕቡስ ዝገብርዎ ምብጻሕ ኣዚዩ ወንጌል ብግብሪ ዝሰብኽ ናይ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ኣብነት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

25 Apr 2025, 16:52