ናይ ኢየሱሳውያን ኣህጉራው ማእከል ስደተይናታት ሓላፊ፣ ብመንፈስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጉዕዞ ምቕጻል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ እቶም ዝፈልጥዎን መሰልን ክብርን ናይቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሰባት ንምሕላውን ንምኽባርን ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝሓቖፉን ንራእይኦምን ንዝሃቡዎ ምትብባዕን ብሙሉእ ድምጺ ምስጋና የቕርቡ።
ካብዚኦም ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓው ማይክል ሾፕፍ ዝመሓዳር ናይ ኢየሱሳውያን ኣህጉራዊ ማእከል ኣገልግሎት ስደተይናትት (JRS)፣ ተልእኾኡ ንመሰል ስደተይናታትን ካልኦት ብሓይሊ ዝተመዛበሉን ሰባት ምስናይን ምግልጋልን ምጉስጓስን ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ድሕሪ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፥ ፍራንቸስኮ "ንስደተናታት ርኡይነት ሂቦምን ኣብ ዓለም ግቡኣ ቦታ ክህልዎም ከም ዝገበሩን፡ ኣካል ማሕበረሰብ ምዃኖም ኣብሪሆም እዮም፣”
ጠበቓ ሰላም
እቲ ምስክር፣ መደራዊ ጣቋ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ተግባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕምቆት ዝተሰነየ ምዃኑ እውን ገሊጾም - ንስደተይናታት ምሕቋፍ፡ ንኽዛረቡ መድረኽ ምሃብን ክብረቶም ዝጣበቕን እዩ። "ሰላም ንምፍጣር ክብሪ ሰብ ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም፣ ስለዚ ምስ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኸስሮ ዘለና ተጣባቒ ስደተይንታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኣብ ዓለም ተጣባቒ ሰላም ኢና ስዒና” ኢሎም።
ማእከል ኢየሱሳውያን ንኣገልግሎት ስደተይናታት፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓሰርተ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ናይ ምትብባዕን ዓሚቝ ኣሰላልፋን ክህሉ ዝገበረ እዩ . . . "ንሶም ኣብዚ መዳይ ሃኒጾምና እዮም፣ ጸረ ዋሕዚ ዝኾነ ንጹርን ተባዕን ናይ ገዛእ ርእስና ድምጺ ክንሃንጽ ሓጊዙና እዩ ኢሎም።
ውልቃዊ ተዘክሮታት
ኣስዒቦም እውን ብምኽንያት እቲ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ኣብ ሮማ ኣብ ዘገልግሉ ዘለውሉ እዋን ምስ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ዕድል ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፣ ትሕትናኦም ተራ ህይወቶምን ብሓቂ ጭቡጥ ተመክሮይ እዩ። ብዙሕ ግዜ መደረታት ብጽሑፍ ከቕርቡ ዘይፈትዉ እንታይ ደኣ ካብቶም ዝራኸብዎም ኣካላት ዝቐርበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም እዮም ምዕዳን ዘቕርቡን ሓሳቦም ዝህቡን፣ ብሓቂ ኣብ ዘተ ዝኣምኑ ምንባሮም ኢኻ እተስተውዕል፣ ምኽንያት ኣብ ዘተ ዘሎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ክስትዓል ኣለዎ ቢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ።
ክውንነታት ክትሃንጸሉ ዝግባእ ሕድሪ
ዝሓደጉልና ወርሻ ምስማዕን ምስትውዓልን ዘተን ዝብል ምዃኑ ሓው ሚካኤል ገሊጾም፣ እዚ ሕድሪ እዚ ከነሰጉም ሓላፈንት ኣሎና፣ ክፉታት ክንከውን፣ ኣብ ሰላም ትኹረት ብምግባር ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ክንደሊ ምሂሮምና - ኢዮም - እዚ ዝተረከብናዮ ውርሻ እዩ፣ ክውንነታት እንሃንጸሉ ባይታ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።