ሓዘን መልእኽቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋ ማርያም ብምስም ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ነቕርበልኩም፦
ናብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር
ሃገረ ቫቲካን
ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰኑይ ሰዓት 7፡35 ኣብ በዓል ትንሳኤ ምስ በጽሓና ዝተሰምዓና ዓሚቑ ሓዘን ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ንድኻታትን ዝተገለሉን ሰባት ዝነበሮም ተገዳስነትን፣ ንፍትሕን ንሰላምን ክርስትያናዊ ሓድነትን ከምኡ ውን ክንክን መላእ ፍጥረትን ፍሉይ ተጸምዶ ከም ዝነበሮም ንዘንተ ዕለት ክዝከር ክነብር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ደኺመ ከይበሉ ኣብ ምድሪ ዝዓየይዎ ፍረ ነገር ቀዳምነት ብምሃብ ምእንቲ ክቕጽል ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ኣማላድነቶም ከም ከም ዘየቋርጹ ርግጸይናታት ውን ኢና።
ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ኤርትራ፣ ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ናብቲ ኣምላኽ መሓሪ ኣቦና "ኣንታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ! ኣብ ውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ ኢየ። ንዓ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ" (ማቴ. 25፡21) ቢሉ ክቕበሎም ንጽሊ ኣሎና። ኵሎም ኤጳርቅናታትን ቍምስናታትን ገዳማትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዕሊ ተነጊርዎም ኣሎ። ኣምላኽ ንቅዱስ ኣቦና ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም!
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣምላኽና ድሕሪ ሓጺር እዋን ንቤተ-ክርስትያኑ ከማኦም ዝበሉ ውፉይን ትሑትን ሓድሽ ጓሳ ኽህበና ውን ንጽሊ ኣሎና።
ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀጳጳሳት ዘበኤርትራ
ዕለት 21 ሚያዝያ 2025 ካብ ኣስመራ