ካርዲናል ኣምቦንጎ፡ ፍራንቸስኮ ኣፍሪቃ ንክብርን ፍትሕን ክትወፈ ኣተባቢዖምዋ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ምስ ኣፍሪቃ ቅርበት ዘለዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝነበሩ ኣብ 12 ዓመታት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ምብጻሕ ይምስክሮ። ሓደ ካብቲ ተዘካሪ መገሻታቶም ድማ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘካየድዎ ኮይኑ፣ ነቲ ንብዙሓት ጊልያዎት ዝገብር “ቁጠባዊ መግዛእቲ” ብምኹናን፡ “ኣእዳውኩም ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን” ኣልዕሉ ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ኣቀባብላ ከም ዝተገበረሎምን ካርዲናል ኣምቦንጎ ከም ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ብዛዕባ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓበሮም ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዝክሩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰኑይ ዕለት 21 ሚያዝያ በዓለ መላእክት ናብ ቤት ኣቦና ተመሊሶም ዝብል ዜና ብኸመይ ተቐብልክምዎ?
ነዚ ሓበሬታ ምስ ስማዕኩ ብኡንብኡ ሰፊኑኒ ዝነበረ ናይ ሓዘን ስምዒት እዩ፣ ብፍላይ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ ሰንበት ፋሲካ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተራእዮም ንህዝቢ ባሪኾም ስለዝነበሩ፣ እዚ ድማ ሓይሎም ይምለስ ኣሎ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩለይ ነይሩ። ስለዚ ቅድሚ ኩሉ ናይ ሓዘን ስምዒት እዩ እዩ ዝሓደረኒ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ እዋን ፋሲካ ኢና ዘሎና፣ ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን! በዚ ናይ ትንሳኤ ተስፋ’ውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብህይወት ከምዘለዉ እኣምን። ድሮ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰላም የዕረፉ ከም ዘለዉ እኣምን።
ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ፋሲካ ከም ዝዘከርክምዎ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦምን ከምኡ እውን ኣብ ማእከል ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ሰገነት ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም እዮም! ኣብቲ ቅድሚ ዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ ዝተነበበ መልእኽቶም ብፍላይ ኣብ ሳሕል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገርኩም ዲ.ሪ.ኮ. ብፍሉይ ዘኪሮም እዮም፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ርእይቶኹም እንታይ እዩ?
ንዓና ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎና ፍራንቸስኮ ኣብ ምሉእ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ንፍትሒ፣ ንሰላም ዓለም፣ ከምኡ’ውን ንዕብየት ድኻታትን ድኹማትን ዝድግፉ ዓቢ ድምጺ ኮይኖም እዮም ዝተረኽቡ። ሰንበት በዓለ ፋሲካ ነዚ ደጊሞም ሰኑይ ዕለት 21 ሚያዝያ ድማ ተፋንዮም፣ ስለዚ ነቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብሕድሪ ንዓና ኣረኪቦምና ኣለዉ። ከምቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ሳዕ ዚምነይዎ ዝነበረ እቶም ሎሚ ግዳያት ኵሉ ዓይነት ዓመጻን እተፈላለየ ዓይነት ምጕዳል ፍትሕን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮም ደቂ ኣንስትዮን ዝያዳ ሰብኣዊ ክብሮም ክኽበር ኣበርቲዒና ንኽንዓዩ ነዚ ሓላፍነት እዚ ሓዲጎምልና ዝኸዱ ኮይኑ ይስምዓኒ፣ ንዳግመ ልደት እዛ ኽፍሊ ዓለም እዚኣ ኸኣ ንቕድሚት ክንቅጽል ከም ዘሎና ዚሕብር መረጋገጺ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።
ብጹዕነትኩም ከም ኣባል ጉጅለ ትሶኣቱ መማክርት ር.ሊ.ጳ. (ርC9) መጠን፣ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኔርኩም። ብዛዕባ ዘተኣታተውዎ ብዙሕ ተሓድሶ እንታይ ትብሉ?
ፍራንቸስኮ ናይ ተሓድሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ክዝከሩ እዮም። ንቤተ ክርስቲያን ንምጽጋን ብዙሕ ሰሪሖም እዮም፣ እዚ ድማ ክቕጽል ኣለዎ፣ ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ቅድሚ ካብ ምድራዊ ህይወት ምፍናዎ ንዑደት ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዛዚሞምዎ እዮም። ስለዚ እዚ ከም ሓደ ምኽንያት እዩ። ፍረ እቲ ሲኖዶስ ድማ ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ቅርሲ ኮይኑ እዩ። ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ እንተዘይሃለዉ እዚ ዝገደፉልና ቅርሲ ሕድሪ ስለዝኾነ፡ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝደልይዎ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ናትና እዩ። እቲ ተሓድሶ ክቕጽል ምዃኑ ርግጸይና እየ።
ሲኖዳውነት ኣበራቢሮም እዮም! ፍራንቸስኮ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ 2028 ዓ.ም. ንቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ክመርሕ ዝግበኦ ናይ ሲኖዳውነት መንገዲ ክጅመር ኣጽዲቖም እዮም። እዚ ናይ ሲኖዳውነት መንገዲ ዘይተማልአ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ክንብል ንኽእል ዲና?
ዘይተወድአ ኣይምበልኩን። እቲ ብፍራንቸስኮ ዝተወስደ ናይ ተሓድሶ ተበግሶታት ሎሚ ኣብቲ ዘድሊ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ነዚ እየ ድማ እቲ ጽገናታት ክቕጽል ምዃኑ ዝኣምነሉ ዘለኹ። ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ ኹሉ ጳጳስ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ከምጽእዎ ዝደለዩ ምቅርራብ ዝብል እዩ፣ ማለት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ክውንነት ዝተፈለየት መሲላ ከይትነብር። ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ብምዃኑ፣ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ክውንነት ዓለም ንኸተብርህ። እዚ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገድፉልና ሕድሪ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ከም ፕረዚደንት ሴካም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በርጎሊዮ ንኣፍሪቃ እንታይ ሕድሪ ይገድፉ ትብሉ?
ንኣህጉር ኣፍሪቃ ብመሰረቱ ምድንፋዕ ዋጋን ክብሪ ሰብኣውነት ዝብል እዩ። ከም እትፈልጥዎ ደቂ ሰባት ዝሳቐየሉ ክፋል ዓለም እንተሃልዩ ብርግጽ ኣብዚ ኣፍሪቃ እዩ። ነቲ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኪንሻሳ ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኽሳዕ ሕጂ ኢና እንዝክሮ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓደግዎ ውርሻ ንዓና ብልክዕ፣ ዅሎም ኣፍሪቃውያን ሰብኣዊ ክብሮም ተኸቢሩ ምእንቲ ኽነብሩ ብስም ወንጌል ብስም ሓባራዊ ፍቕሪ ኽንገብሮ ዘሎና ቓልሲ ምዃኑ ኢየ ዝኣምን።
ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዘይርሳዕ እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ምዝመዛን ቍጠባዊ መግዛእትን ዝቃወም ብርቱዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም። እዚ ጻውዒት እዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብኸመይ የነቓቕሓና?
ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እንተ ዀኑ፣ ነቲ ናብ ኮንጎ ዝገበርዎ ጕዕዞ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ዝነበሩ። ህዝቢ ብዝገበረሎም ኣቀባብላን ዘርኣዮ ውዕውዕ ስምዒትን ብዙሕ ኣገሪምዎም እዩ። ኣብኡ ምርኻብቦም ዘለዓዓሎ ተስፋ ክትንክፉ ገይርዎም እዩ። ሎሚ እውን ህዝቢ ኮንጎ ይሳቐ እዩ ዘሎ። በዚ መንጽር እዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘነቓቐሖ ሓጎስን ህዝቢ ነቲ ናይ ሓጎስን ክብርን ሓድነትን ኣብ መንጎኦምን ምስ እግዚኣብሔር ተመክሮ ዝገበረሉ ህሞት ፈጢሩሉ እዩ። ዘይርሳዕ ኣብ ታሪኽ ዝተርፍ ኮይኑ ክቕጽል ድማ እዩ።
ኣብዚ ብምኽንያት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዘን ኣብ ዘለሉ እዋን ንክርስትያን ምእመናን እንታይ ጻውዒት ተቕርቡ?
በዚ ዘሕዝን ዜና ኩላትና ሰንቢድና ኢና፣ ብተስፋ ግና፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ኣብ ቤት ኣቦ ከምዘለዉ ንኣምን። ህዝቢ ኣምላኽ ብጸሎት ክድግፎምን ተዘክሮኦም ክሕሉን ከኽብሩን ጥራይ እየ ዝሓትት እንክብሉ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።