ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቡራኬ ቅብኣ ሜሮን፦ ምእንቲ ሓጐስ ካህናት ንጸሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ፣ ኣቦ መንበር ነበር ምምሕዳር ንብረት ቤተ-ክርስትያን ዝዀኑ ካርዲናል ዶመኒኮ ካልካኖ ዘንበብዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስነቶም ዘዳለዎ ኣስተንትኖ፣ ካህናት ሓጐስ ንኽረኽቡ ኽንጽሊ ጻውዒት የቕርቡልና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጸሎተ ሓሙስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተኻየደ ኣብ ሥርዓተ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ክንበብ ኣብ ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ “ስለዚ ንዓና ኻህናት ዓመት ኢዮቤል ኣብ ጐደና ተሓድሶና ሓድሽ ጅመሬ ክንገብር እዩ ዝዕድመና" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒኮ ካልካኖ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምምራሕ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣንበቡሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ካልካኞ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ
ብፁዕ ካርዲናል ካልካኞ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

መዓልታዊ ቅርበት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "ንሕና ኻህናት ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ ኣሎና" ብምባል ውን ኣጕልሑ።  ጸሎተ ሓሙስ ነቲ እተጸዋዕናሉ እዋን እተዘኻኽረና መብጽዓታት ክህነታን ከነሐድስ እውን እትዕድመና ዕለት ከም ምዃና ገለጹ።

"ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታና ዓመት ኢዮቡእል ማለት ግዜን ልሙዕ ቦታ ጸጋን ስለ ዘሰናድወልና ብዛዕባ ኣገልግሎትና ከዘኻኽረና እንተ ፈቐድናሉ ሓደ ተስፋ ዝኸውን ኢዩ" በሉ።

'ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ'

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ዓመት ኢዮቤል ንኻህናት ከም ብሓድሽ ክንጅምሮ ኣገዳሲት ህሞት እዩ።

ከም ንጋድያን ተስፋ መጠን "ብልሽውና ቀሲሳውነት ሓዲግና ናይ ተስፋ ኣወጅቲ ኽንከውን ተጸዊዕና ኣሎና" በሉ።

ካህናት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ
ካህናት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ   (Vatican Media)

ልብና ምሕዳስ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ንህዝቡ ዜፍቅር ጓሳ "ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ብምኽፋል ሓባራዊ ስምምዕን ወይ ስምረት ካልኦት ኣይደልዮን እዩ " ብምባል "ተኣማንነት ፍቕሪ ንልቢ የሕድሶ እዩ" ብምባል ኣስተንተኑ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ "ፍቑራት ኣሕዋትና ባዕልና ኽንገብርን ነታ 'ኣሜን' እትብል ቃል ክንደግማን ኣብዚ ተኣኪብና ዘሎና" ክብሉ ውን ኣተባብዑ።

"እቲ ኽንዝክሮ ዘሎና ሕማማትን ሞትን ከምኡውን ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያንን ኣብ ውሽጣ ንናይ ክህነት ኣገልግሎትና ዘጽንዕ መሰረት ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

እቲ ቀዳማይ ቤትና ቃል ኣምላኽ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ነፍሲ ወከፍ ካህን ምስ ቃል ኣምላኽ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ርክብ ክህልዎ ኣለዎ። " ቅዱስ መጽሓፍ ናይ መጀመርታ ቤትና ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢና ንኻልኦት እነገልግሎም " ውን በሉ ።

ኣብ ውሽጡ ነፍሲ ወከፍና ኻብ ካልኦት ንላዕሊ ዚትንክፈና ገጻት ስለ ዘሎና ክብሉ ውን ብኣግራሞት ኣስተንተኑ።  "እዚ ባህ ዜብልን ኣገዳስን እዩ!  ብዘይካዚ ንካልኦት ሰባት ውን ንህይወቶም ዚትንክፍ ገጻት ኪረኽቡ ንሕግዞም ኢና፣ ንኣብነት ሓደስቲ ምርዑዋት ንመርዓኦም ዚኸውን ንባብ ኪመርጹ ኸለዉ፣ ወይ እቶም ዚጕህዩን ዚሓዝኑን ነቲ ናብ ብምሕረት ኣምላኽ ብጸሎት ነቲ ካብ ስድራቤቶም ዝሞተ ዘፍቕርዎ ሰብ ከወፍዩ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ።"

መሥዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዞና ንጸዋዕታና ዝኸውን ገጻት ንባብ ምህላዉ ኢዩ ። ነዛ ገጽ እዚኣ ኸነንብባ ኸለና ኣኽቢርና እንተ ርኢናያን፣ ፍቕርና ኽትዝሕል እንተ ዘይፈቒድናን ኣምላኽ ሕጂ ውን ይጽውዓና እዩ" በሉ።

ጐይታ የጸናንዓናን ምሳና ኣሎን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ካህናትን ምእመናንን ነቲ 'ረአዩ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ' ዝብል ዘጸናንዕ ቃል ጐይታ ክዝክሩ ተማሕጸንዎም።

ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ቀላሲ ኣገልግሎት ካህናነትና ኰይኑ ከም ዝቐጸለ ኣዘኻኸሩ ።  "ቃላትና ኣብ ህይወትና ጋህዲ ምስ ኰነ እቶም ሰባት ንኣስተንፍሶ መንፍስ ቅዱስ ይስምዖም ኢዮም" በሉ።

ዕዮ ኣምላኽ ደኣ እምበር ዕዮና ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም ቅብኣ ቅዱስ ሜሮን "ነዚ ሎሚ እንባርኾ ዘሎና ቅብኣ ሜሮን ንምስጢረ ተሓድሶ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ክርስትያናዊ ህይወት ከም ዝሓትሞ" ብምዝኽኻር ከምዚ ብምባል ተማሕጸነ - "እዚ ኵሉ ዕዮ ኣምላኽ ኢዩ እሞ ተስፋ ንኸይትቘርጽ ተጠንቀቑ" በሉ።

ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ድማ ገለ እተወሰነ ዕዮ ገዛ ንኽገብሩ ተማሕጸንዎም ። "እመን! ኣምላኽ ብዛዕባኻ ከም ዘይተጋገየ እመን!  ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጋገን እዩ” ውን በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ነቲ ሰናይ ተልእኾኹም ዘጀመረ ኣምላኽ ከፈጽመኩም ኢዩ፣ ዚብላ ቓላት ወትሩ ንዘክረን" ውን በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም "እዚ ዕዮ ኣምላኽ ደኣ እምበር ዕዮና ኣይኰነን" ውን በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጐይታ ኣዒንትና ኸፊቱ ጾርና ኻብ መንኵብና ከውርደላና ውን ንቕረቦ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ከም ተስፋ ዘለዎም ሰባት መጠን ሎሚ ውን ምእንቲ ሓጐስ ካህናት ክጽልዩ ብምዕዳም ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅድሴ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጠሮስ
መሥዋዕተ ቅድሴ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጠሮስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
17 Apr 2025, 13:15