ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ፣ ስነ - ስርዓት መግለጺ ሓዘንን ኣኽብሮትን ነፍሰ - ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ካብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ
ኣብቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን፣ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሕሉቕ ገዳማትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን፣ ከምኡ’ውን ኣባላት ኣብያተ ቤት ጽሕፈት ቤተክርትስያንን፣ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ብኣካል መጺኦም፣ “ጽንዓት ይሃብኩም” ብምባል ተኻፈልቲ ናይዚ ሓዘን ምዃኖም ገሊጾም። ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ‘ከም ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበሉ ውፉይ፣ ትሑት፣ መፍቀሪ ውጹዓትን ኣቦ ኩሉን ተካኢ ይሃብ’ እንክብሉ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም። እዞም በጻሕቲ ኣብቲ ዝተዳለወ መዝገብ ዝኽሪ በብሓደ ናይ ሓዘኖም መግለጺ ብጽሑፍ’ውን ቃለ ተዘክሮ ከም ዘስፈሩን፣ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፣ ኣሕሉቕ ገዳማት፣ ካህናትን ሰብውፉይ ሕይወትን፣ ወከልቲ ምእመናንን ከኣ ንበጻሕቲ “ሕሰም ኣይትርከቡ፣ እግዚኣብሔር ይሃበልና” እንክብሉ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ካብ ርእሰ ኤጳርቅና ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ሞት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሰምዐ ሊቀ ጳጳሳት መንግስተኣብ ተስፋማርያም ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘበኤርትራ ናብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ዕለት 24 ሚያዝያ ኸኣ ኲለን ቁምስናታት ኣስመራ ዝሳተፋሉ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ካብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ ዝወጸ መገልጺ ጠቒሱ ይሕብር።