ድለ

2025.04.30 ጉባኤ ካርዲናላት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 2025.04.30 ጉባኤ ካርዲናላት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ  (@Vatican Media)

ጉባኤ ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካርዲናላት ኣፍልጦ ይህብ

ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዝመጽእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርጽ ዕጽው ጉባኤ ዝሳተፉ 133 ካርዲናላት ምዃኖም ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ኩሎም ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ከም ዝኾኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፣ እቲ ዕለት 30 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተኣከበ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ እቶም ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ ዝሳተፉ ካርዲናላት ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ፣ ካርዲናላት ዛዕባ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ ዘመሓድር ሓዋርያዊ ቅዋም Universi Dominici Gregis - እንተ ላእሌ ኩሉ ኖላዊ መርኤት ሕጡበ - ጽሑፍ 33፣ ድምጺ ክህቡ ዝግብኦም ተጋባእያን ካርዲናላት 120 ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፣ ይኹን እምበር፡ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ልዕሊ 120 ካርዲናላት ብምፍጣር፣ ነቲ ናይ ቁጽሪ ገደብ ክስገር ከም ዘፍቀዱ እውን ጉባኤ ካርዲናላት ኣዘኻኺሮም፣ ስለዚ “ነዚ ድማ ሓዋርያዊ ቅዋም እንተ ላእሌ ኵሉ ኖላዊ መርኤት፣ ሕጡበ - ጽሑፍ 36 መሰረት ገይሮም እቶም ትሕቲ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ካርዲናል ካብ ዝኾኑሉ ህሞት ጀሚሮም፣ ናይ ሮማዊ ጳጳስ ናይ ምምራጽ መሰል ረኺቦም እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዘኻኸሪ ካርዲናላት፣ ንካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ ቤቹ ኣብቲ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅምር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ንትእዛዝ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽባር ኣይሳተፍን እየ ብምባሎም ሞሳኦም ገሊጾም ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ መግለጺ ጉባኤ ካርዲናላት “ንሱ ኣብ ልቡ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ሱታፌን ቅሳነትን ናይቲ ጉባኤ ኣበርክቶ ንምግባርን፣ ኣብኡ ንኸይሳተፍ ዝወሰዶ ውሳነ ዘስተብሃለ ምዃኑ ኣመላኺቱ፣ ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ካርዲናል ቤቺ ዝቐረበ ናይ ምግባረ ብልሽውና ዝምልከት ጉዳይ፣ “እቶም ብቑዓት ኣካላት ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ሓቅታት ከረጋግጹ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ተስፋኦም ወሲኾም ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

30 Apr 2025, 17:25