ድለ

2025.04.30 ካርዲናል ሳንድሪ፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ ኣገልግሎትን ራእይን 2025.04.30 ካርዲናል ሳንድሪ፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ ኣገልግሎትን ራእይን  (@Vatican Media)

ካርዲናል ሳንድሪ፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ ኣገልግሎትን ራእይን

ሓምሻይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመርሑ ካርዲናል ሳንድሪ፣ ብዛዕባ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትሕትና ዝመልኦ ኣገልግሎት ምስክርነትን ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ቤተ ክርስቲያን ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ነባሪ ራእይ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ሓሙሻይ ቅዳሴ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን" እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከቶም ኣበጊሶም፣ ኣብዚ ናይ ፋሲካ ወቕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ክልተ ኣገደስቲ ህሞታት ከምዘላ ኣስተብሂሎም፣ ንሳቶም ድማ ምዝዛም ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ፍራንቸስኮን ናብ ምጅማር ሓድሽ ር.ሊ.ጳጳስና ዝብል ምዃኑ ገሊጾም። ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፣ ካርዲናል ቀዳሜ ዲያቆን ዳግማይ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከበስሩ ንጽበ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር ምዝካር፣ ብሓባር ምጽላይ

መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ናይ ሓዘን ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ቤተ ክርስቲያን ክትእከብን ክትጽልን ክትዝክርን ኣብ ትንሳኤ ዘለዋ እምነት ዳግማይ ከተረጋግጽን እትኽእለሉ ህሞት ምዃኑ ገሊጾም። ካርዲናላት ከም ተሓባበርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ይእከቡ ጥራይ ዘይኰነስ ጸሎት ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምመናን እውን ዝውክሉ ምዃኖም ብምዝኽካር፣ እዚ ኸኣ ካብ ቶንጋ ክሳብ ሞንጎልያ ካብ ተህራን ክሳብ ኢየሩሳሌም ከምኡውን ካብቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ውሁዳን ግናኸ ጽኑዓት ካብ ዝዀኑለን ከም ሞሮኮን ኣልጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽ እንክብሉ ኣመላኺቶም፣ “ንግስነት ምግልጋል ማለት እዩ ዝብል ሓቂ ክንዝክርን ብንቕሓት ክንነብርን መዓልታዊ ንጽዋዕ ” ዝበሉ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ ፍራንቸስኮ ብተግባራቶም ብመገሻታቶምን ከምኡውን ነቶም ኣብ ሕድጋት ዝነበሩ ሰባት ብቐጻሊ ብምክንኻን ር.ሊ.ጵጵስናኦም ከም ዝነበሩ ኣጉሊሖም፣ እቲ ሓደ እዋን ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ ዓብዪ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ፣ "ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ ኣምላኽ" ዚብል መዓርግ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገዳሲ ከም ዝነበረን፣ ንሶም ድማ ወትሩ ቤተ ክርስትያን ክትነብሮ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ብቓልን ተግባርን ኣዘኻኺሮምና እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክሳብ ሎሚ

ካርዲናል ሳንድሪ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ካብ ግብሪ ሃዋርያት እተወስደ ካልኣይ ምንባብ ኣማእኪሎም፣ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ጴንጠቆስጠ ዘስምዖ መደረ፣ ምጅማር ቤተ ክርስቲያን ስለ ዘመልክት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ፍጻሜ እውን ዝዛረብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ’ውን ልክዕ ከምቲ ጴንጠቆስጠ ንሓዋርያት ሓድሽ ጅማሮ ዘመልከተሉ፣ ሎሚ’ውን ቤተ ክርስቲያን ንሓድሽ ምዕራፍ ትዳሎ ምህላዋ ዘረድእ ታሪኽ እዩ ቢሎም፣ ቀጺሎም ድማ ብዙሕ ግዜ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዝክርዎን ዝጠቕስዎ ካብ ነቢይ ዮኤል ዝተወስደ፦ “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ክኹዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም" ዝብል ተወኪሶም፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ ኣገዳስነት ወለዶታት ከም ዘተሓሕዝዎ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ "ብዘይ ርክብ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን፣ መጻኢ የለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሕልሚ ንቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ንመጻኢ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ራእይ ከም ዘውረሱ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝኣወጁሉ ሰነድ ዘመላኸትዎ ካልእ ኣገዳሲ ዝኾነ፣ እቲ ኣብ 2033 ዓ.ም. ዝበዓል መበል 2000 ዓመት ዝኽሪ ሞትን ትንሳኤን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝኽካር ንቕድሚት ከም ዝጠመቱ ገሊጾም፣ "እዛ ቕድስቲ ዓመት እዚኣ ኵላትና ብመንፈስ ናብታ ቕድስቲ መሬት ነጋድያን ኴንና፣ 'ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ ንስምኦን ተራእዩ! እዩ ኣብ ዝብል ጉዕዞ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ክትመርሖ እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 May 2025, 17:29