ድለ

ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፣ መን እዩ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ? ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፣ መን እዩ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ? 

ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፣ መን እዩ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ?

እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 7 ግንቦት ዝኽፈት ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት (ኮንክላቨ) ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ማእከልነት ኤውሮጳ ዝጎልሓሉ ኣይኽኸውንን እዩ። ካብቶም 135 ካርዲናላት ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ዚዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሸሙ፣ ንጉባኤ ካርዲናላት ዝነበሮ ቅርጺ ብምቕያር፣ ናብታ ኣብ ወሰናስን ናብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክምልከት ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም 135 ካርዲናላት መረጽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ 71 ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ መላእ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝመጹ እዮም። ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ካብኣታቶም (108) ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኪሽየሙ እንከለዉ፣ እቶም 22 ብነዲክቶስ መበል 16ን ሓሙሽተ ድማ ብቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣተሾሙ ዝርከብዎም ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ውሑድ ኤውሮጳዊ ማእከልነት ዘለዎ ኣካል

ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ 12 ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ንጉባኤ ካርዲናላት ብዓቢኡ ዳግማይ ቅርጺ ብምሃብ፣ እቲ ጉባኤ ካርዲናላት ኤውሮጳዊ ማእከልነት ዘይብሉን ዝያዳ ኣህጉራዊ ኣካል ክኸውን ገይሮምዎ እዮም። እዚ ድማ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማእከል ስሕበት ካቶሊካውነት ናብ ዓለማዊ ደቡብ ንምስግጋር ዝነበሮም ውልቃዊ ዝንባለ ዘንጸባርቕ እዩ፣ ኣብ መጻኢ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ገጽ ከይህልዋ ዝገብር ዝሰፍሐ ኣንፈት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመጀመርታ ግዜ 15 ሃገራት ብተወለድቲ (ደቀባት) ካርዲናል መረጽቲ ክውከላ እየን። ንሳቶም ድማ፡ ካርዲናላት ቺብሊ ላንግሎይስ ካብ ሃይቲ፤ ኣርሊንዶ ፉርታዶ ጎሜስ ካብ ኬፕ ቨርደ፤ ዲዩዶነ ንዛፓላይንጋ ካብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፤ ጆን ሪባት ካብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፤ ቻርለስ ማውንግ ቦ ካብ ሚያንማር፤ ኣንቶን ካምባንዳ ካብ ሩዋንዳ፤ ሶኣነ ፓቲታ ፓይኒ ማፊ ካብ ቶንጋ፣ ሰባስቲያን ፍራንሲስ ካብ ማሌዥያ፤ ኣንደርስ ኣርቦረሊየስ ካብ ሽወደን፤ ዣን ክላውድ ሆለሪክ ካብ ሉክሰምበርግ፤ ካርዲናል ቨርጂልዮ ዶ ካርሞ ዳ ሲልቫ ካብ ቲሞር ለስተ፤ ዊልያም ሴንግ ቺ ጎህ ካብ ሲንጋፖር፤ ኣዳልበርቶ ማርቲነዝ ፍሎረስ ካብ ፓራጓይ፤ ስቲቨን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ላዲስላቭ ነመት ድማ ካብ ሰርብያ ዝርከብዎም እያቶም።

53 ካርዲናላት ካብ ኤውሮጳ

ይኹን እምበር ኣውሮጳ ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ዓብዪ ኽብደት እዩ ዘለዋ። ማለት ብ53 መረጽቲ ካርዲናላት (ኣብ ሮማዊ ኲርያ ኣብ ሓላፍነት እተቐመጡ፣ ሰበኻታት ዝመርሑ፣ ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኮይኖም ዘገልግሉ) ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ኢጣልያ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ቝጽሪ ዘለዋ ክትኸውን እንኮላ (19)፣ ስዒባ ፈረንሳ (6)፣ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ስጳይና (5) ትቕመጥ።

37 ካርዲናላት ካብ ኣሜሪካ፣ 23 ካብ ኤስያ፣ 18 ካብ ኣፍሪቃ፣ 4 ድማ ካብ ኦቻይና

37 መረጽቲ ካርዲናላት ካብ ኣመሪካ (16 ካብ ሰሜን ኣመሪካ፣ 4 ካብ ማእከላይ ኣመሪካ፣ 17 ድማ ካብ ደቡብ ኣመሪካ)፣ 23 ካብ እስያ፣ 18 ካብ ኣፍሪቃ፣ 4 ድማ ካብ ኦቻይና እዮም።

በዚ ኸኣ፡ ካርዲናላት ኤውሮጳውያን ኣብቲ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹውን ፍሉይን ጉባኤ ንመብዛሕትኦም ዝሳተፉ ክውክሉ እንከለዉ፣ ሕጂ ግን “እቲ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾነ ዓለም” ካብ ኤውሮጳ ንላዕሊ ብንጹር በሊጹ ይርአ ኣሎ። ኣመሪካ ብሓፈሻ “እትሕዞ ክፋል” ብዓቢኡ ከም ዝወሰኸን፣ ዞባዊ ውክልና ጥራይ ንውጽኢት ምርጫ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝውስን እኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ድማ ብኻልኦት ወሳኒ ረቛሒታት እውን ዝጽሎ እንተኾነ፣ ጽልዋ ኵላውነት ግደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ግምት ብምእታው ግን፣ እቲ መልክዓ ምድራዊ መዳይ ዕሽሽ ክበሃል ዝከኣል ከም ዘይኮነ ንጹር እዩ።

ዕድመ መረጽቲ ካርዲናላት

ዕድመ መረጽቲ ብዝምልከት፡ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባል ጉባኤ ካርዲናላት፡ 45 ዓመት ዝዕድመኦም ተወላዲ ኣውስትራልያዊ ትውልደ ዩክሬይን ሚኮላ ባይቾክ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝዓበዩ 79 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ስጳይናዊ ካርሎስ ኦሶሮ ሴራ እዮም።

ሽዱሽተ ካርዲናላት ኣብ ሰብዓታት ዝተወልዱ፣ ዝመጽእ ዘሎ ሕዳር 55 ዓመት ዝህልዎም ኣብ 1971 ዓ.ም. ዝተወልዱ ኢጣልያዊ ናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ካርዲናል ባልዳሳረ ረይና እዮም። ኣብ 1972 ዓ.ም. ዝተወልዱ ሊትዋንያዊ ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ፣ ናይ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ሊቀ ካህናት፤ ኣብ 1973 ዓ.ም. ዝተወልዱ ህንዳዊ ጆርጅ ጃኮብ ኩቫካድ ናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ፣ ኣብ 1973 ዓ.ም. ዝተወልዱ ፖርቱጋላዊ ኣሜሪኮ ማኑኤል ኣልቨስ ኣጉያር፣ ከምኡ’ውን ኣብ 1974 ዓ.ም. ዝተወልዱ ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ኡላንባታር ሓዋርያዊ መስተናብር ጣልያናዊ ጆርጅዮ ማረንጎ፣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ክሳተፉ እዮም።

ካልኦት ዕድመታት ድማ፣ ኣብ ኣርብዓታት ዝተወልዱ 50 ካርዲናላት፣ ኣብ ሓምሳታት ዝተወልዱ 47፣ ኣብ ስሳታት ዝተወልዱ ድማ 31 እያቶም። እቲ ዝበዝሐ ውክልና ዘለዎ ናይ ልደት ዓመት እቶም ኣብ 1947 ዓ.ም. ዝተወልዱ ኮይኑ፣ 13 ካርዲናላት ዕድሚኦም ናብ 78 ዓመት ይቀራረብ ከም ዘሎ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

33 ካብ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝመጹ ካርዲናላት

ካብቶም መረጽቲ ካርዲናል እቶም 33 ካብ 18 ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝመጹ ኮይኖም፣ ሳሌዢያውያን ዝበዝሑ ውክልና ክህልዎም እንከሎ፣ ሓሙሽተ ካርዲናላት፣ ንሳቶም ድማ ቻርለስ ማውንግ ቦ፡ ቨርጂልዮ ዶ ካርሞ ዳ ሲልቫ፡ ኣንኸል ፈርናንደዝ ኣርቲም፣ ክሪስቶባል ሎፔዝ ሮሜሮን ዳኒኤል ስቱርላ በርሆውትን እያቶም። ኣርባዕተ ካብ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው፣ ሉዊስ ካብሬራ ሄረራ፣ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፣ ኻይም ስፐንግለርን ሊዮናርዶ ሽታይነርን እያቶም። ከምኡውን ኣርባዕተ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ክኾኑ እንከለዉ ንሳቶም ድማ ስቲቨን ቾው ሳውያን፣ ማይክል ቸርኒ፣ ዣን - ክላውድ ሆለሪኽን ኣንገል ሮሲን እያቶም። ሰለስተ ካብ ገዳማውያን ፍራንቸስካውያን ማሕበር ዝመጹ፣ ፍራንስዋ - ኻቪየር ቡስቲዮ፣ ማውሮ ጋምቤቲ፣ ከምኡውን ዶሚኒክ ማቲዩ እዮም። ካብ በነዲክታውያን ገዳም ቶሞትይ ራድክሊፍን ዣን ፖል ቨስኮ፣ ክልተ ካብ ማሕበር ረድንቶሪስቲ ማይኮላ ብይቾክን ጆሰፍ ቶቢን፣ ክልተ ኣባላት ማሕበር መለኮታዊ ቃል፣ ታርሲስዮ ኪኩቺን ላዲስላቭ ነሜትን፣ ካብ ማሕበር ኣጎስጢናውያን ሮበርት ፕረቮስት፣ ካብ ማሕበር ካፑቺን ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ፣ ካብ ማሕበር ቀርመሎሳውያን ኣንድረስ ኣርቦረሊዩስ፣ ካብ ሲታውያን ኦራኒ ዥዋው ተመፐስታ፣ ካብ ማሕበር ክላሪትያኑም ቪንሰንት ባካሊች ኢግሊች፣ ካብ ፒዮስ ዓስራው ተቕዋም ካህናት ገራልድ ላሮይ፣ ካብ ማሕበር ላዛሪስት ብርሃነኢየሱስ ደምረው ሱራፊየል፣ ካብ ማሕበር ኮንሶላታ ጆርጆ ማረንጎ፣ ካብ ማሕበር ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ጆን ሪባት፣ ስካላብሪንያዊ ፋብዮ ባጆንን፣ ካብ ማሕበር ዘመንፈስ ቅዱስ ዲዩዶነ ንዛፓላይንጋ እያቶም።

ክልተ ካርዲናላት ከም ዘይሳተፉ

ካብቶም 135 መረጽቲ ካርዲናላት እቶም ክልተ ብጥዕና ምኽንያት ኣብቲ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ ካርዲላት ክሳተፉ ከምዘይክእሉ ከም እተረጋገጸን ብዚ ምኽንያት ድማ ቁጽሪ ናይቶም መረጽቲ ካርዲናላት ናብ 133 ከም ዝወረደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 May 2025, 17:25