ሳልሳይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት
ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ዕለት 24 ሚያዝያ 113 ካርዲናላት ኣሳቲፉ ሳልሳይ ውዕሎ ከም ዘካየደን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም 113 ካርዲናላት ብመሰረት ቅዋም Universi Dominici Gregis - ጓሳ ምሉእ መጓሰ እግዚኣብሄር ቃለ ማሕላ ምስ ፈጸሙ 34 ምትእትታዋት ተገይሩ፣ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ኣብ ክንዲ ካርዲናል ኬቪን ፋረል ኣብቲ ናይ ሓዘን ጸሎት ታስዕቲ ነተን ቀዳሞት ሽዱሽተ መዓልታት ከመርሑ እቲ ጉባኤ ከም ዝሓረዮምን፣ ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ገዳም ቅዱስ ጳውሎስ ኣበ - ምኔት ኣባ ዶናቶ ኦሊያሪ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ከቕርቡን ከምኡ እውን ልሂቅ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ኣብ መኽፈቱ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዝብገስ ዕጹው ጉባኤ - Conclave ናይ መኽፈቱ ስብከት ከቕርቡ ከም ዝሰመየኦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካርዲናላት ነቲ ኣብ ሕግታት ጓሳ ምሉእ መጓሰ እግዚኣብሄር - Universi Dominici Gregis ካብ ፍቕዲ 1 – 23 ዘሎ ሕጡብ ጽሕፍ ምስ ተነበ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዘተዩ የመላኽት።
25 Apr 2025, 16:47