ድለ

ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሮማ ዝተጸውዑ ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ካርዲናላት ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ብምቕጻል፣ ዕለት 23 ሚይዝያ ካልኣይ ውዕሎ ከም ዘካየዱን፣ ብምኽንያት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ዝካየድ ታስዕቲ ሓዘንን ጸሎትን መደባት ከም ዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ከባቢ 17፡00 ጀሚሩ፡ ሰዓት 18፡30 ከም ዝተዛዘመን፣ ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 103 ካርዲናላት ከም እተሳተፉን ነቲ ኣኼባ ብጸሎት 'ንዓ መንፈስ ቅዱስ - Veni, Sancte Spiritus”  ጀሚሮም፣ ኣስዒቦም ጸሎት ሙታን ምእንቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፈጸሙ ታስዕቲ ሓዘንን ጸሎትን መደብ ከም ዘጽደቑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብቲ ዕለት 22 ሚያዝያ ንግሆ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ካርዲናላት፣ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ክሳብ ዝመርጹን እቶም ዝምረጹ ር.ሊ.ጳ. ይኹንታ ክሳብ ዝህብሉን ኣዋጅ ብጽዕናን ቅድስናን ክሰጋገር ከም ዝወሰኑን፣ ብተወሳኺ ብመሰረት ሕግታት ጓሳ ምሉእ መጓሰ እግዚኣብሄር - Universi Dominici Gregis  ኣብ እዋን sede vacante -  እሁዝ መንበር  ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር - Camerlengo ኣብ ዘካይድዎ ግዚያዊ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ዝሕግዙ ሰለስተ ካርዲናላት ዝሓቖፈት ሽማግለ ድምጺ ብምሃብ ከም ዝመረጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዞም ሰለስተ ካርዲናላት ንሰለስተ ስርዓታት ጉባኤ ካርዲናላት ዝውክሉ ኮይኖም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዝትክኡ ከም ዝኾኑን፣ ኣባላት ናይቲ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሽማግለ፣ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን (ስርዓት ኤጲስቆጶሳት)፡ ካርዲናል ስታኒስላው ሪልኮ (ስርዓት ክህነት) ከምኡውን ካርዲናል ፋብዮ ባጆ (ስርዓት ዲያቆን) ምዃኖም ኣፍሊጡ።

25 Apr 2025, 16:44