ናይ ምሕረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምሕረት ኣምላኽ ሓርነትናን ሓጐስናን እዩ። ብምሕረት ኢና እንነብር ብዘይ ምሕረት ህልዋን ኣይምኾናን። ምሕረት እስትንፋስና እዩ። ድኻታት ስለ ዝኾንና ኣብ ቅድሚ ምሕረት ቅድመ ኩነት ከነቐምጥ ኣይንኽእልን። ይቕረ ክንብሃል ስለዘድልየና ይቕረ ክንብለሉ ይግብኣና።” ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልዕሊ ዅሉ መለለዪእዮም ዝገበርዎን ክቕጽል ዝወደብዎን ሓደ መልእኽቲ እንተድኣ ኣልዩ ‘ምሕረት’ ኢዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ዕለት 20 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ማእከል ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መወዳእታ Urbi et Orbi - ብሔራውን ዓለም ለኻውን ቡራኬ ድሕሪ ምሃቦምን ኣብ መንጎ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ተረኺቦም እናተዘዋወሩ ባሪኾምን ሰላምታ ኣቕሪቦምን ምስ ኣብቅዑ ንጽብሒቱ ዕለት 21 ሚያዝያ ንግሆ ሰዓት 07፡35 ብሃንደበት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ንድኻታት ዝገብርዎ ሓልዮት፣ ሕውነት፣ ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና፣ ከምኡ’ውን ንውግእን ወረ ውግእን ጽኑዕን ቅድመ ኩነት ዘይብሉን “ኣይፋል” ዝብል ጻውዒቶምን ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዝክር። ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ሕመርት፣ እቲ ብዘይጥርጥር ዝያዳ ጽልዋ ዘሕደረ፣ ወንጌላዊ ጻውዒት ምሕረት እዩ። እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ እቶም ረድኤቱ ከም ዘድልዮም ዝግንዘቡ ቅርበትን ለውሃትን፣ ምሕረት ከም “እነስተንፍሶ ኣየር” ማለት እቲ ኣዝዩ ዘድልየና ምዃኑ፣ ብዘይ እዚ ኣየር ክንነብር ዘይከኣል ምዃኑ ዘነጽር እዩ።
መሉእ ር.ሊ.ጵጵስና ኾርገ ማሪዮ በርግልዮ ኣብ ትሕቲ እቲ ልቢ ክርስትና ዝዀነ መልእኽቲ እዩ ዝነበረ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሕርየቶም፣ ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ካብ መስኮት እቲ ፈጺሙ መንበሪኦም ዘይገበርዎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኮይኖም ንመጀመርታ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣትሒዞም፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕረት እዮም ዝተዛረቡ። ኣብቲ እዋን ድማ ናይ ቡወኖስ ኣይረስ ተራዳኢ ጳጳስ ኮይኖም ምስ ተሾሙ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈአት ኣደ ክትናዘዝ ናብኦም መጺያ፦ "ጐይታ ንዅሉ ይቕረ ዝብል እዩ። ጐይታ ንዅሉ ይቕረ ዝብል እንተዘይከውን ነይሩ ዓለም ኣይምነበረትን” ዝበለቶም ቃል ይዝክሩ።
እቶም "ካብ ጫፍ እዛ ምድሪ" ዝመጹ ር.ሊ.ጳ. ንትምህርትታት ናይቲ ኽልተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ክርስትያናዊ ልምዲ ወይ ትውፊት ኣይቀየሩን፣ የግዳስ ምሕረት ናብ ማእከል ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብሓድሽ መገዲ ብምምላስ፣ ነቲ ብዙሓት ብዛዕባ ቤተ - ክርስትያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ክቕይር ገይሮም እዮም። ብዛዕባ ኣደኣዊ ወጅሂ ናይ ሓንቲ ቤተ - ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ብሓጢኣት ዝቘሰሉ ሰባት እትንብርከኽ ካብቲ ዝወደቕዎ እተተንስእ ቤተ ክርስቲያን ይምስክሩ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ዝገበሮ፡ ንርእሱ ናብ ቤት እቲ ዝተናዕቀን ብኹሉ ዝተረሓቐን ዘኬዎስ እናዓደመት፣ ዋላ ሓንቲ ከይሓተተት፣ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ፣ ናብ ሓጥእ ገጻ ንምኻድ ቀዳመይ ስጉምቲ እትወስድ ቤተ ክርስቲያን የቕርቡን ይምስክሩን። ከምኡ’ውን ዘኬዎስ ንመጀመርታ ግዜ ብኸምዚ ኣገባብ ክርአን ክፍቀርን ስለ ዝተሰምዖ፣ ሓጢኣተይና ምዃኑ ኣለልዩ፣ ኣብ ኣጠማምታ ናዝራዊ ንኽልወጥ ድርኺት ከም ዝረኸበ፣ ቤተ ክርስትያን ነዚ ምሕረት እዚ ማእከል ክትገብር ቅዱስነቶም ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም የነጽሩ።
ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ብዙሓት ሰባት ጐይታ ናብ ቤት እቲ ኣብ ያሪኮ ዝነበረ መጸብሓዊ - ኣካቢ ቀረጽ ኪኣቱ እንከሎ ምስ ረኣዩ ተዋሪዱ እዩ። ኣርጀንቲናዊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም "ዘይድለዩ" ከምኡውን ሓጥኣን ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉ ቀረባኦም ክኾኑን ንሓያሎ ዓመታት ንብዙሓት ሰባት ዕንቅፍት ኮይኖም ነይሮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሓደ ካብቲ ንግሆ ንግሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ መንበሪኦም ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝሰዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፣ "መብዛሕትና ክንኵነን ይግብኣና ይኸውን! እዚ ኸኣ ቅኑዕ እዩ። እግዚኣብሔር ግን ይቕረ ይብለና! ከመይ? ምሕረት ንሓጢኣት ኣይድምስሶን እዩ፣ ንሓጢት ዝድምስስ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ጥራይ እዩ፣ ምሕረት ክንየው ዝኸይድ እዩ፣ ከም ሰማይ እዩ: ንሰማይ ንጥምት፣ ንከዋኽብቲ ንጥምት: ንግሆ ጸሓይ ምስ ወጸት ግና ንሰማይ ገጽና ኣንተጠመትና ነተን ምሸት ዝራእናየን ከዋኽብቲ ኣይንርየንን፣ ምሕረት እግዚኣብሔር እውን ልክዕ ከምኡ እዩ፣ ዓቢ ብርሃን ፍቕሪ፣ ናይ ለውሃት ብርሃን፣ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ብኣዋጅ ኣይኰነን ይቕረ ዝብል እንታይ ደኣ ብሓልዮትን ሕቕፎን እዩ!” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ብምዝኽካር ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)