ናይ መወዳእታ ምፍናው በቶም ምወዳእታ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝኾኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ኣብታ Salus Populi Romani – (ድሕነት ሮማውያን) ጠበቓ ሮማውያን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዝተነብረሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣደኣዊ ዝኾኑሉ ቀዋሚ መዕረፊኦም ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንምቕባል ኣብ ድርኲኺት እቲ ባዚሊካ እቶም ዝተገለሉ "ናይ መወዳእታ" ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ይቐብልዎም።
እቶም ኻብ "ጫፍ ምድሪ" ዝመጹ ናይ ሮማ ኣቡን ድሕሪ ናይ መወዳእታ ኽፋል ምድራዊ ጕዕዞ ሕይወቶም በቶም ሓያላት ዘይኰኑስ በቶም ድኻታትን ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ብሓጺሩ በቶም ኣብ ወንጌል ማእከል ዝኾኑ ኣብ ዝበዘሐ ስልጣናዊ ትምህርቶም ማእከል ዝገበርዎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣኽሊል ክወሃቦም እዩ።
ድሮ ኣብ ሰኑይ ድሕሪ ሰንበት ፋሲካ፣ ሰኑይ ዘመልኣኽ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ መዓልቲ፣ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ዘይተጸበናዮ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እንከርድኡ፣ ነዚ እምነ ኩርናዕ ትምህርቶም፣ “ንኽብርታት ወንጌል ብተኣማንነትን ብትብዓትን ብኣድማሳዊ ፍቕርን ክንነብሮ ምሂሮምና፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝደኸዩን ኣዝዮም ዝተገለሉን” እንክብሉ ኣዘኻኺሮምና እዮም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ር.ሊ. ጳጳስናኦም ብ2013 ዓ.ም. - "ድኻን ንድኻታት ዝኾነት ቤተ ክስቲያን ክትህሉ ክንደይ ምደለኹ! "ቤተ - ክርስትያን ቅድም ቀዳድም ንድኻታት እትህቦ ቀዳምነት ባህላዊ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ ወይ ፍልስፍናዊ ቅድሚ ምዃኑ፣ ቲዮሎጊያዊ ምድብ ኢዩ። ኣምላኽ ንድኻታት 'ቀዳመይቲ ምሕረቱ' የርእይዎም እዩ። 'እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዚ ኺህልወና ስለ እተጸዋዕና፣ እዚ ፍራንቸስኮ ዘቃልሕዎን ዝነበርዎን ቲዮሎጊያዊ ምርጫ እዚ፣ ኣብ ህይወት ኵሎም ክርስትያናት ሳዕቤን ኣለዎ። ኣብቲ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ክነስተውዕሎ ዝግብኣናን ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ኣገልግሎቶም ዝጀመረሉን ሓዋርያ ማዕዳን ለጊሶም እዮም።
ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ቃል ኩሉ ግዜ ብጭቡጥ ተግባራትን ምርጫን ዝተሰነየ እዩ። እቶም ንፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ. ክርስቲያን ስም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝመረጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሰር ትምህርትታት እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንኣብነት እቶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሞም፣ "ቤተ - ክርስትያን ከም ናይ ኵሉ ቤት፣ ብፍላይ ገዛእ ርእሳ ከም ናይ ድኻታት ቤት ገይራ እተቕርብ" ዝብል ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ መበል 23 ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዝካር ይከኣል።
እቲ ናይ መጀመርታ ካብ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጹ ር.ሊ.ጳጳሳት እቲ እተዛረብዎ ቓላትን ተግባራትን መበቈሉ ኻብ ወንጌል ካብ ኣስተምህሮታት እቶም ከም ቅዱስ ኣምብሪዚዩስ ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ኣበው ቤተ - ክርስትያን እዩ ነይሩ። ከምቲ ቅዱስ ኣምብሮዚዩስ፣ ንድኻታት እትህቦ ካብ ጥሪትካ ኣይኰነን፣ ናቶም ዝኾነ ካብ ምሃብ ሓሊፍካ ኻልእ ኣይገበርካን። ከመይሲ እቲ ኩሉ ዝተዋህበ ንኹሉን ንረብሓ ኩሉን እዩ። መሬት ንሃብታማት ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ እያ ተዋሂባ” ከም ዝበሎ።
ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ Populorum progression - ህዝባዊ ምዕባለ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቶም ናይ ብሕቲ ንብረት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ቅድመ ዅነትን ምሉእ ብምሉእን ከምኡውን ካልኦት ንሕይወት ኣድላይነት ኣብ ዝጐድሎም እዋን ካብ ንሓባራዊ ረብሓ ንላዕሊ ንብሕታዊ ንጥፈታቱ ክዕቅብ ስልጣን ከም ዘይብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣጽንዖት የረጋግጹ።
ከምኡ እውን ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ክሪዞስቶም፣ ኣብ ሓደ ካብ ስብከታቱ፣ “ንስጋ ክርስቶስ ከትኽብር ትደሊ ዲኻ? ኣብ ኣባላቱ ማለት ኣብ ድኻታት ዝኽደንዎ ዝተሓረሞም ሰባት ኪኸውን ኣይተፍቅድ። ክርስቶስ ኣብ ድኻታት ብቍርን ዕርቃንን ኪሳቐ ኸሎ - ዕሽሽ ክትብሎ እንኮለኻ፣ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ብሃሪ ኣብ እተሰርሐ ዓለባ ኣይተኽብሮን ኢኻ። ኣነ እቲ “ጠምየ ዝብላዕ ኣይሃብካንን” ዝብል እየ” . . . ንኢየሱስ ኣብ ዝተናዕቁ ምግልጋል ዝብል እዩ!
ቤተ ክርስቲያን ካብ ስነ - ሓሳባዊ ንባባት ርሒቓ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት - ሸለልትነት” እክብሉ ዝገልጽዎ ዓይነት ክውንነት ንምስናፍ ካብ ገዛእ ርእሳ ክትጽውዕ እንከላ እትከላኸሎ ፖለቲካዊ ረብሓ የብላን።
ቤተ ክርስቲያን ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብትውፊት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተደጊፎም ብቃል ወንጌል ጥራሕ ተደሪኾም ኣዒንትና ናብቶም “ዳሕረዎት”፣ ማለት ነቶም ብኢየሱስ ሓለፋ ዘለዎም፣ ኣብ መወዳእታ መድርኽ ጉዕዞዎም ዝሓቝፍዎም ክንጥምት ትዕድመና፣ እንክብሉ ኣድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)