ፈረንሳ ኣብ ውጥን ሰላም ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንዩክሬን ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ተአንግድ
ፈረንሳ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ኣብ ዩክሬን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ንምልላይ ምስ መሓዙት ሃገራት ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 17 ሚያዝያ ከም ዘአንገደትን፣ እቲ ዓውደ ኣኼባ ደድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ዩክረይን ብሓንቲ ለይቲ ሰለስተ ሰባት ዝተቐተለን 28 ድማ ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ምፍጻማ ኮይኑ፣ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኤማኑወል ማክሮን ቅድም ኣቢሎም ምስ ተወከልቲ ዩክረይንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ፓሪስ ከም ኣተራኸቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
18 Apr 2025, 17:21