ትራምፕን ዘለንስኪን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ መደባት ሰላም ዘትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩሲያን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ንምሕጋዝ ብዝውክልዎም ኣካላት ኣቢሎም ክሽምግሉ ከም እተራእየ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህዝባዊ ርክባቶምን መደረታቶም ኣስተምህሮታቶም ስብከታቶምን ኲናት ደው ክብል ጻውዒት ብምቕራብ ነቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ህዝቢ ከይዘከሩን ከይጸለዩ ሓሊፎም ኣይፈልጡን። ጻውዒት ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልዕሊ ኩሉ ጻውዒት ዘተ እዩ ነይሩ - ወሰንቲ ኣካላትን ቀንዲ ተዋሳእትን ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ተራኺቦም ነቲ ግጭት መወዳእታ ዝገብረሉ መንገዲ ከናድዩ ከይተሓለሉ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም።
ዕለት 26 ሚያዝያ ቅድሚ ስርዓተ ቀብር ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትራምፕን ዘለንስኪን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ፊት ንፊት ተራኺቦም፣ ኣብ ዓሚቕ ዘተ ከም ዝነበሩ ዘርኢ ስእልታት ተዘርጊሑ እዩ። ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ዝተኻየደ ዘተ "ኣዝዩ ፍርያም" እንክብል ከም ዝገለጾ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ እውን ብወገኑ "ጽቡቕ ክሌኣዊ ርክብ" ምንባሩን ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት እውን ምይይጥ ከም እተገብረሎምን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘሎ ብናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፣ "እቲ ኩሉ ዝተንክፍናዮ ነጥብታት ውጽኢት ዘለዎ ክኸውን” ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፣ እዚ እውን "ህይወት ህዝብና ምሕላው። ምሉእን ቅድመ ኩነት ዘይብሉን ተኹሲ ደው ምባል ክህሉን፣ ካልእ ኲናት ከይለዓል ዘኽልክል ዘተኣማምንን ነባሪን ሰላም" ክህሉ ዝሕግዝ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ዘለዎም እምነት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ውግእ ደው ንምባል ዝሕግዝ ተእኽሎ ክሰናኸል ከም ዝተራእየ ዝዝከር ኮይኑ፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ዘለንስኪን ንምወዳእታ ግዜ ብኣካል ኣብ እተራኸብሉ እዋን እቲ ምይይጥ ተሪር ክትዕን ምስሕሓብን ዝተራየሉ ከም ዝነበረን፣ ኣብ መጀመርታ እዛ ወርሒ እዚኣ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ዋና ጸሓፊ ጕዳያት ውጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮን ካብ መድረኽ ውዕል ሰላም ክርሕቑ ምዃኖም ዝገልጽ ሓበሬታ ዘርጊሖም ከም ዝነበሩን ቅድሚ ክልተ ሰሙን እውን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኪየቭ ከቢድ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸመትን ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን፣ እቶም ውጽኢታት ብርግጽ እንተተገሊጾም - እቲ ብዙሕ ግዜ ብነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዝረብ ዝነበረ 'ፍትሓዊ ሰላም' እንተተረኺቡ - ናይ ፍራንቸስኮ ቀዳማይ ተኣምር ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ምዃኑ ይሕብር።