ድለ

ሓይሊ ምክልኻል ሕ. መ. ኣመሪካ ኣብ ማእከል ስደተይናታት የመን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ሓይሊ ምክልኻል ሕ. መ. ኣመሪካ ኣብ ማእከል ስደተይናታት የመን መጥቃዕቲ ፈጺሙ  (AFP or licensors)

ሓይሊ ምክልኻል ሕ. መ. ኣመሪካ ኣብ ማእከል ስደተይናታት የመን መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ሓይሊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ብውሕዱ 68 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን ኣብ የመን ናይ ኢራን ደገፍቲ ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲ ክሕብር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 7 ሰባት ከም እተቐትሉ እውን ይንገር። ካብ ዕለት 2 መጋቢት ጀሚሩ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ዝወዶ ስጉምቲ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ክምርመር ውሳኔ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 28 ሚያዝያ ወጋሕታ ሃይሊ ምክልኻል ኣየር ሕ.መ. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 68 ሰባት ግዳያት ከም ዝገበረን 47 ድማ ከም ዘቝሰለን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ሳዓዳ ኣብ ዘሎ መእለይ ስደተይናታት ዝተፈጸመ ምዃኑ ምስቲ ብኢራን ዝድግፍ ጉጅለ ሁቲ ርክብ ዘለዎ መደበር ቴሌቪዥን ኣል ማሲራሕ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ዝረኸቦ ጸብጻብ ጠቒሱ ከም ዘፍልፈጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ልዕሊ 800 ዕላማታት ብሓይሊ ኣየር ሕ.መ. ኣመሪካ ከም ኣተሃርመ

ብመሰረት እቲ ተመሳሳሊ መርበብ ሓበሬታ፡ እቲ መዕቆቢ ደተይናታት መብዛሕትኦም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ብብዝሒ ዝርከብዎ ኮይኑ፣ ብጠቕላላ ካብ ካልኦት ዞባታት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣስታት 100 ስደተይናታት ዘአንግድ ኮይኑ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ስዑዲ ዓረብ ስራሕ ንምድላይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብየመን ክስግሩ ዝፍትኑ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣል ማሲራ መደብር ተለቪዥን ብተወሳኺ፣ ሓይሊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዞባ ሰዓዳ ንኡስ ዞባ ኪታፍ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ከም ዝነበረ እውን ኣነጺሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘየለ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅድሚ እቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ፣ ማእከላይ ክፍሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሕ.መ. ኣመሪካ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ሰፊሕ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገዛእ ርእስኻ ንምክልኻል ብዝብል ውሳነ መሰረት ፍሉይ ሓበሬታ ዘየቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን፣ እቲ ዝፍለጥ ነገር እንተሃልዩ፣ ሓይልታት ኣመሪካ ካብታ ብርቱዕ መጥቓዕቲ ዝብል መሰርሕ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት 15 መጋቢት ኣትሒዙ ልዕሊ 800 ዕላማታት ሑቲ ከም ዘጥቕዑን እዚ እውን ኣንጻር እቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝፍጽሞ ግብረ ሽበራ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጠቒሱ የመላኽት።

ተወሳኺ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ጋዛ

ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ። ሎሚ ንግሆ ኣብ መንጎ ቤት ላህያን ከተማ ቓዛን እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ካልኦት 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ዕለት 27 ሚያዝያ ድማ ብውሕዱ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 53 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፣ እቲ ግጭት ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 52 ሰባት ከም ዝሙቱ ምንጭታት ጥዕና ፍልስጤም ዝሃቦ ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ፣ ብሓቂ ክርአ እንከሎ፣ እቲ ዕለት 17 መጋቢት ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ደው ምባል ቶክሺ ካብ ዝጥሓስ ንደሓር፣ ከቢድን ዝኸፈአን ሰብኣዊ ቅልውላውን ሞትን ማህሰይትን የጋጥም ምህላዉ ዋና ኣመሓዳሪ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ፒየር ክሬንቡል ኣፍሊጡ፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ ከም ዝኾነነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መርመራታት ኣብ ሰብኣዊ ግዴታታት እስራኤል

ከምኡ’ውን ብልክዕ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዕለት 28 ሚያዝያ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓላለፍ ብዛዕባ ሰብኣዊ ግዴታ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝምልከት ሓበሬታ ንምቕራብ ዝሕግዝ መስርሕ ፍርዲ ከም ዝጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ

ዕለት 27 ሚያዝያ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ከም ዝኣሰረን ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ናይ ፍልጥኤም ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ዝውክል ንዞባ ራማላሕ ምኽትል ኣቦ መንበር ንኽኸውን ገዲም ኣባል ኣልፋታሕ ሁሲየን ኣል ሻይክ ከም ዝተሾመ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላክት።

28 Apr 2025, 15:59